”ናብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ናይ ነፈርቲ በረራታት፣ ተፍትሽ ክግበረሉ’ዩ” መ.ኢትዮጵያ

Radio Erena: 11 July 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክበጽሕ መንገዲ ከፊቱ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኩሉ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሓገዛት ተፍትሽ ክግበረሉ ምዃኑ ተገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ናብ ትግራይ ቀጥታዊ በረራታት ነፈርቲ ክካየድ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝገለጸሉ ሓቢሩ።
እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓርቢ 9 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኩሉ ናብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ናይ ነፈርቲ በረራታት፣ ብኣዲስ ኣበባ ክሓልፍን ተፍትሽ ክግበረሉን ምዃኑ ሓቢሩ።
ሓይልታት ትግራይ ንሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ ናብቲ ዞባ ዘራኽብ ኩሉ መስመራት መራኸቢታት ተዓጽዩ ምስ ምህላዉ፣ ረዲኤት ናብ ዝደልይ ህዝቢ ብእዋኑ ዝባጽሓሉ መንገዲ ቀጥታዊ በረራታት ነፈርቲ ከምዝኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ፣ ናብ ሓደ ሚልዮን ተጸጊዑ ከምዘሎ ትካላት ረዲኤት የመልክታ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0