ናብ ኤርትራ የምርሕ ከምዝነበረ ዝተገልጸ መራሒ ተቓዋሚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትራንዚት መዓርፎ ነፈርቲ የመን ተቐይዱ

ናብ ኤርትራ የምርሕ ከምዝነበረ ዝተገልጸ መራሒ ተቓዋሚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትራንዚት መዓርፎ ነፈርቲ የመን ተቐይዱ

Radio Erena: 02 July, 2014

Andargachew

ሓይልታት ጸጥታ የመን፣ ናብ ኤርትራ የምርሕ ከምዝነበረ ዝተገልጸ፣ ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ከምዝቐየዱ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

እቲ ኣንዳርጋቸው ጽገ ዝተባህለ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ኤርትራ እናመርሐ እንከሎ’ዩ ኣብ የመን መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ትራንዚት ተታሒዙ።

እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ወብደቲ ናዕብን ሽበራን ተባሂሉ ዝህደን ኣንዳርጋቸው ጽገ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ናብ ኤርትራ ከምዝመላለስ ዝፍለጥ’ዩ።

 

የመን፣ ብትራንዚት ንዝሓልፉ ተጓዓዝቲ ክትቕይድ ሕጋዊ ኣይኮነን እናበለ ዝጣበቕ ዘሎ ተቓዋሚ ውድብ ግንቦት 7፣ ነቲ ብኢትዮጵያ ክሳብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክብየነሉ ዝኽእል መራሒ ተቓዋሚ ብዝቐልተፈ ክትፈትሖ ሓቲቱ ኣሎ።

የመን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደትሉ ምክንያት ዛጊት ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣለን። የመን ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከተረክቦ ምዃናን ዘይምዃናን’ውን ዝተፈልተ ነገር የለን።

ኣንዳርጋቸው ጽገን ዶክተር ብርሃኑን ነጋን ዝተባህሉ መራሒቲ ናይዚ ብኢትዮጵያ ከም ናይ ናዕቢ ጉጅለ ዝግለጽ ግንቦት 7፣ ንሳቶም ኣብ ዘይተረኽብሉ ኣብ 2012 ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ንሕልፈት ክእሰሩ ከምዝወሰነ ጸብጻባት እታ ሃገር ይገልጹ።

ኣብ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ዜና፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘለዎም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ን20 ጋዜጠኛታት ኦሮሞ ካብ ስርሖም ከምዘባረረ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቶም ኣባላት ሬድዮን ቲቪን ኦሮሞ ዝኾኑ 20 ጋዜጠኛታት፣ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ተማሃሮ ኦሮሞ ተጓሓሂሩ ዝነበረ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ’ዮም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ስርሖም ተባሪሮም ዘለዉ።

ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 143’ያ ትስራዕ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0