Radio Erena: 15 April 2016
ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ኣስታት 250 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ከምዘለዉ ወትሃደራዊ ኣማኻሪ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ጀነራል ፓኦሎ ሴራ ሓቢሩ።
እቲ ጀነራል ንኮሚሽን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ምክልካልን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እዞም ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ኣብ ሊብያ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ስደተኛታት ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተሓጊዞም ናብ ኢጣልያ ከይበጽሑ እንከለዉ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ከርኢ ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ 154 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ከምዝሰገሩ ብምምልካት፣ ካብዚኣቶም እቶም 120 ሽሕ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ንጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ብምጥቃስ ኣረዲኡ።
10ታት ኣሽሓት ካብዚኣቶም ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ይፍለጥ።
ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ሊብያ ተኣኻኺቦም ኣለው ናይ ዝብሃሉ ብዝሒ ስደተኛታት ክሳብ ሓደ ሚልዮን ከምዝበጽሕ’ዩ ክጥቐስ ጸኒሑ።
============================
COMMENTS