ናብ ቻይና ንማህደረ ትምህርቲ ካብ ዝተላእኩ ኣስታት 200 ኤርትራውያን፣ ፍርቆም ናብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም

Radio Erena: 13 August 2019

ኣብዚ ዝተሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፣ ብማህደረ ትምህርቲ ናብ ቻይና ካብ ዝተላእኩ ኣስታት 200 ኤርትራውያን፣ እቶም ኣስታት ፍርቂ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ካብ ሚኒስትሪታት ትምህርቲ፣ ጉዳያት ወጻኢ፣ ሃገራዊ ልምዓት፣ ቤት ጽሕፈት ህግደፍን፣ በብእዋኑ ናብ ቻይና ዝተላእኩ ተማሃሮ፣ ገሊኦም ትምህርቶም ድሕሪ ምዝዛም፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምኻድ ዕድል ክረኽቡ እንከለዉ፣ እቶም ካልኦት ድማ፣ ናብ ኤርትራ እናተመልሱ፣ ኣብ ትራንዚት ብምትራፍ ጉዕዝኦም ናብ ካልእ ሃገራት ዝቐጸሉ’ዮም።

ብፍላይ ብመንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ኣብ ዝካየድ ጉዕዞ፣ ኣብ ካይሮ ንትራንዚት ድሕሪ ምዕራፎም፣ ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ኡጋንዳ ከምዝኣተዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኡጋንዳ፣ ንኤርትራውያን ብዘይ መእተዊ ቪዛ እትቕበል ሃገር ብምዃና፣ ብፓስፖርት ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ ዕድል ዝረኸቡ ተማሃሮ፣ ናብዛ ሃገር ክውሕዙ ጸኒሖም’ዮም።

በብእዋኑ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ንማህደረ ትምህርቲ ዝተላእኩ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዑቕባ ንምሕታት ክተርፉ ብምጽንሖም፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝበዝሐ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ናብ ቻይናን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ጥራይ’ዩ ኣተኩሩ።

ቻይናን ሕቡራት ኢማራትን፣ ብማህደረ ትምህርቲ ይኹን ካልእ ምኽንያታት ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቕባ ዘይህብ ፖሊሲ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0