ነቭሰን ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ ኣብ ኤርትራ ክረአ ጥርዓን ኣቕሪቡ

ነቭሰን ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ ኣብ ኤርትራ ክረአ ጥርዓን ኣቕሪቡ

Radio Erena: 28 January 2018

 bisha workersነቭሰን ሪሶርስስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት በደል ፈጺሙ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ክሲ ኣብ ካናዳ ክረአ ዝወጸ ውሳኔ ክቕየረሉ ጥርዓን ኣቕሪቡ።

እቲ ዕደናዊ ትካል ብ19 ጥሪ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፣ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ክሲ፣ ኣብ ኤርትራ ስለዝኾነ፣ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክረአ ኣለዎ ክብል’ዩ ናይ ይግባይ ጥርዓኑ ኣቕሪቡ።

ነቭሰን ብተወሳኺ፣ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ንኣህጉራዊ ሕግታትን ልዑላውነት ሃገርን ዝጥሕስ እዩ ክብል’ዩ ጥርዓኑ ዘቕርብ።

እዚ ካናዳዊ ትካል፣ ኣብ ኤርትራ ዘካዪዶ ዕደናዊ ወፍሪ ብግዱድ ዕስክርና ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ፣ ድሕነትን መሰልን ሰራሕተኛታት ብዘየኽብር ኣተሓሕዛ የሳቕዮም ኔሩ ዝብል ክሲ’ዩ ቀሪቡሉ ኣብ ትሕቲኡ ብዝሰርሑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት።

ነፍሰን፣ ሰራሕተኛታት ናይ ምቕራብ ዕማም ናይ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ክብል’ዩ ነቲ ክሲ ዝነጽጎ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0