ቻይና፣ ኤርትራ ንእትርከበን 25 ሃገራት ብምውካል፣ ኣብ ልዕሊኤን ዝተነብረ ማዕቀብ ክልዓል ጸዊዓ

Radio Erena: 24 October 2022

ቻይና፣ ኤርትራ ንእትርከበን 25 ሃገራት ብምውካል፣ ኣብ ልዕሊኤን ዝተነብረ ማዕቀብ ክልዓል ጸዊዓ።

ወኪል ቻይና፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ዝተኻየደ ሳልሳይ ኮሚተ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ ሓባራዊ መግለጺ’ዩ፣ ኣብተን ሃገራት ተነቢሩ ዘሎ በይናዊ ማዕቀባት ክልዓል ዝጸውዐ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ቻይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዳይ ቢንግ ኣብ መግለጺኡ፣ ዓለምና ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆታት ብዝያዳ ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ይሃሲ ምህላዉ ብምትሕስሳብ፣ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ዝያዳ እቲ ካልእ ግዜ ምትሕግጋዝ ከምዘድሊ ኣስሚርሉ።

ብኣንጻር እዚ ግና፣ እዘን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ገጢምወን ዘሎ ብድሆታት፣ ግዳያት በይናዊ ማዕቀባት ይኾና ምህላወን እቲ ቻይናዊ ዲፕሎማሰኛ ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ፣ ሕቡራት ሃገራት ንዘለዎ መትከላትን ቻርተራትን ከኽብር ብምዝኽኻር፣ ነባሪ ምዕባለ ንምውሓስ ተነቢሩ ዘሎ ኣጀንዳ 2030 ክዕወት፣ ኣብ ልዕሊ’ተን ሃገራት፣ ኣብ ፋይናንስን ቁጠባን ዘተኮረ በይናዊ ማዕቀባት ክውገድን ኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ሕቡራት ሃገራት ክኽበርን ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ፣ ንኽልዓል ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ጻውዒታት ብምጉሳይ ዝቕጽል ዘሎ በይናዊ ማዕቀባት፣ ነተን ሃገራት ህይወት ዜጋታተን ናብ ዝፈታተን ስእነት መሰረታዊ ነገራት ኣውዱቑወን ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ቻይና፣ ንገዛእ ርእሳ ሓዊሳ፣ ኣብ ልዕሊኤን ዝተነብረ በይናዊ ማዕቀብ ክልዓል ካብ ዝሓተተትለን 25 ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዚምባብዌ፣ ኮርያን ኩባን ይርከብአን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0