ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም’ያ

ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም’ያ

Radio Erena: 15 July 2015

chian dji

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ስምምዕ ኣብ ምክያድ ከምእትርከብ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትዝቲ ከምዘላ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጠቒሱ እኳ እንተነበረ፣ መንግስቲ ቻይና ግና ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ቻይና ኣብቲ ዓቢ ስትራቴጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ወሽመጥ ዓደን ባብ ኤል መንደብን ኣብ እትርከብ ጅቡቲ ገዚፍ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቋም ትዝቲ ምህላዋ ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።

 

ኣብ ጅቡቲ ዝካየድ ዘሎ ዓበይቲ ናይ ህንጻ ብፋልይ ናይ ወደብ ምስፋሕን ምዝርጋሕ መንገዲ ባቡርን ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ናይ ኣስትራት 4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ይስራሕ ብምህላዉ፣ ጅቡቲ ነዚ ከም መከሓሓሲ ንዝተወሰነ ዓመታት ዝጸንሕ ንወትሃደራዊ መዓስከር ዝኸውን ቦታ ንቻይና ክትህባ ተኽእሎ ከምዘሎ ይዝረበሉ ኣሎ።

እንተኾነ፣ እታ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ናይ ረብሓ ምሽማይ እትርከብ ቻይና፣ ምስተን ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለወን ፈረንሳን ኣመሪካን ከመይ ክትቓዶ’ያ ሓደ ካብቲ ዝዝተየሉ ዘሎ ዛዕባታት ምዃኑ’ውን ይንገር።

ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን እትዳወብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋሲና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ጅቡቲ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ዝበዝሐ ወትሃደራዊ መዓስከራት ናይ ወጻኢ ሃገራት ዝርከበላ ሃገር’ያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ጃፓን ኣብ ሓለዋ ገማግም ባሕርን ስለያን ዘገልግላ ነፈርቲ ንልምምድን ፈተነን ናብ ጅቡቲ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።

=================================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0