ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም’ያ

ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም’ያ

Radio Erena: 26 November 2015

Chi Dj

ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ን10 ዓመታት ዝጸንሕ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቐውም’ያ።

ነዚ ዘረጋገጸ፣ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃን ጀነራል ዴቪች ሮድሪገዝ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ጀነራል ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ጅቡትን ቻይናን ኣብዚ ቀረባ ብዝኸተምኦ ስምምዕ መሰረት፣ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ’ዩ።

ኣብ መንጎ ጅቡትን ቻይናን ርክባት ክካየድ ከምዝጸንሐን ቻይና ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቋም ትውጥን ከምዘላን ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ምስ ዠን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ’ዩ።

 

እንተኾነ ቻይና ብዛዕባ’ዚ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጅቡቲ ዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ብሓለቃ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዑደት ከምዘካየደ ግና ኣይርሳዕን።

ኣብ ስትራቴጅያዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ- ባብ ኤል መንደብ እትርከበን ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ጅቡቲ፣ ኣብ ርእሲ ሰራዊት ፈረንሳን ኣመሪካን፣ ሰራዊት ቻይና’ውን እግሩ ከንብረላ’ዩ።

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ምቛማ፣ ውሕስነት ንግዳውያን መራኽባ ኣብ ምሕላውን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርገብሮ ዘላ ምስፍሕፋሕ ቁተባን ክሕግዛ’ዩ።

ጅቡቲ ከኣ ኣምሳያ ናይቲ ንቻይና ዝሃበታ ፍቓድ፣ ኣብታ ሃገር ብኩባንያታት ቻይና ብልቃሕ ዝካየድ ዘሎ ከም ምህናጽ መንገዲ ባቡር፣ ምስፋሕ ወደባትን ካልእ ቢልዮናት ዶላራት ዝጠልብ ፕሮጀክታትን ብናጻ ክማልኣላ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ወፍርን ንግድን ልዕሊ 200 ቢልዮን ዶላር’ዩ ዝበጽሕ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0