ቻይና፣ ንኣስታት 100 ሽሕ ተማሃሮ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናይ ማህደረ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን  ዕድላት ክትህብ’ያ

ቻይና፣ ንኣስታት 100 ሽሕ ተማሃሮ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናይ ማህደረ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ዕድላት ክትህብ’ያ

Radio Erena: 02 October 2018

forum china africaቻይና፣ ንልዕሊ 50 ሽሕ ተማሃሮ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን፣ ነዚ ዘረጋገጸ ፕረዚደንት እታ ሃገር፣ ንካልኦት 50 ሽሕ ዝኸውን ናይ ሓጺር ሞያዊ ስልጠናታት ተመዲቡ ከምዘሎ’ውን ኣረጋጊጹ።

ቻይና፣ ብድምር፣ ኣስታት 100 ሽሕ ንዝኾኑ ተማሃሮ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ማህደረ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን ዕድላት ትኸፍት ዘላ፣ ኣብዛ ኣህጉር፣ ኣብ ዕደና፣ ህንጻን ንግድን ዘተኮረ ናይ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ወፍሪታት ኣብ እተካይደሉ ዘላ ወቕቲ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዜጋታተትን ናብ ቻይና ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ንኽረክቡ ብብዝሒ ዝልእካ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ዚምባብዌ፣ ታንዛንያን ኮይነን፣ መንግስቲ ቻይና ነቲ ዕድላት ንብምስፋሕ ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ኣብቲ መደብ ንምእታወን’ዩ ወጢኑ ዘሎ።

እታ ሃገር፣ ኣብ 2015 ኣብ ዝኣተወቶ ተመሳሳሊ መብጽዓ፣ ኣብ ማህደረ ትምህርቲ፣ ሞያዊ ስልጠና፣ ልቓሕን ካልእን ዝውዕል ንዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ባጀት ምስልዓ ይዝከር።

ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ብዝሒ ናይቶም ብማህደረ ትምህርቲ ናብታ ሃገር ዝልኣኹ ተማሃሮ ክሳብ 30 ሽሕ ክበጽሕ ምዃኑ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

ቻይና፣ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ተባሒቱ ዝጸንሐ ወፍርን ንግድን ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ እትዕብልለሉ ዘላ ዘመን፣ ሓደ ካብቲ ዝልዓለ ጠመተ ዝሃበቶ፣ ተካእቲ ወለዶ ንዝኾኑ መንእሰያት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቻይና ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ምሃብ’ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ UNESCO፣ ንዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ብምሃብ፣ ቻይና ድሕሪ ፈረንሳ ካልኣይቲ’ያ ትስራዕ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት፣ ልዕሊ 200ኤርትራውያን ተማሃሮ፣ ኣብ ቻይና ናይ ማህደረት ትምህርቲን ሞያዊ ስልጠናታት ዕድላትን ክረኽቡ እንከለዉ፣ ኣብዚ ሓድሽ መደብ ድማ ፣ ካልኦት ኣስታት 200 ተመሳሳሊ ዕድላት ክረኽቡ ትጽቢት ኣሎ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0