ትካል ግብረ ሰናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ 181 ሰባት መጥባሕቲ ዓይኒ ኣካይዱ

Radio Erena: 09 September 2022

ብትካል ግብረ ሰናይ ንጉስ ሳልማን ዝምራሕ ተበግሶ ‘ኑር ስዑዲ ዓረብ’፣ ኣብ ኤርትራ ሰፊሕ ናይ ሕክምና ዓይኒ መደባት ምክያዱ ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ 19 ክሳብ 26 ነሓሰ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ናይ ዓይኒ ጸገም ንዘለዎም 4800 ኤርትራውያን ሕክምናዊ መርመራ ከምዝገበረሎም ሓቢሩ።

ካብኣቶም ን181 ሰባት ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ዝተኻየደሎም’ዮም።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ተበግሶ፣ ኣካል ናይቲ ትካል ግብረ ሰናይ ንጉስ ሳልማን፣ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝገብሮ ዝተፈላለየ ናይ ሓገዝ መደባት ምዃኑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0