ትማሊ 23 ሚያዝያ ናብ ታዕሊም ክወርዳ ዝተሓበረን ደቂንስትዮ ብብዝሒ ከምዘይተረኽባ ተሓቢሩ

ትማሊ 23 ሚያዝያ ናብ ታዕሊም ክወርዳ ዝተሓበረን ደቂንስትዮ ብብዝሒ ከምዘይተረኽባ ተሓቢሩ

Radio Erena : 24 April 2015

Sawa23

ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወርዳ ትማሊ 23 ሚያዝያ ክብገሳ ዝተነግረን ኣብ ሓያሎ ምምሕዳራት ኣስመራ ዝርከባ ደቂንስትዮ፣ ከምቲ መንግስቲ ዝተጸበዮ ብዝሒ ከምዘይተበግሳ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

10ታት ደቂንስትዮ ናብ ታዕሊም ክብገሳ ኣብ ዝተሓበረን መበገሲ ነቁጣታት ከምዝተረኽባ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት እተን ዝበዝሓ ግና ነቲ ብመንግስቲ ዝወጸ ኣዋጅ ይቃወምኦ ከምዘለዋ’ዩም ዘመልክቱ።

እንተኾነ እቲ መንግስቲ ብግፋን ካልእ ምኽንያታትን ኣገዲዱ ናብ ታዕሊም ከርደን ምዃኑ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ኣሎ።

 

ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝግብአን ካብ 18 ክሳብ 45 ዝዕድሚኤን ደቂንስትዮን ኣባላት ሕዝባዊ ሰራዊትን ከምኡ ድማ ካብ ወጻኢ ተመሊሶም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ከፈልቲ ክልተ ካብ ሚእቲን ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ብመንግስቲ ይግደዱ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

ብፍላይ እቲ ናይ ደቂንስትዮ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝፈላለ ምዃኑን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገሊኡ ዞባታትን ብሄራትን ናብ ታዕሊም ክወርዳ ብግፋን ካልእ ምኽንያታትን ከገድደን እንከሎ ኣብ ካልእ ዞባታትን ብሄራትን ግና ንደቂንስትዮ ከምዘይምልከተን ሸለል ኢሉ ከምዝሓልፎ ዝፍለጥ’ዩ።

ደቂንስትዮ ድማ ኣብ ርእስቲ’ቲ ንግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ዘለወን ተቓውሞ፣ ነቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዝተፈላለየ ኣካይዳ ዘለወን ምዕዝምዛማት ካብ ነዊሕ እዋን ከስምዓ ጸኒሐን’የን።

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዕድመ መንእሰያት ብዘይቁምነገር ካብ ዘባኽንን እቲ ኣውራ ጠንቒ ስደትን ምዃኑን ብሰፊሑ ዝዝረበሉ’ዩ።
==================================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0