ቱርኪ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዕደና ነሓስ ክትነጥፍ’ያ

ቱርኪ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዕደና ነሓስ ክትነጥፍ’ያ

Radio Erena: 23 February 2018

mining

ቱርኪ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ዕደና ነሓስ ክትነጥፍ ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ልኡኽ መንግስቲ ቱርኪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

እቲ ዕደና ዝካየደሉ ከባቢ ብልክዕ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣብ ከባቢ ወደብ ስዋኪን ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2017 ናብ ሱዳን ታሪኻዊ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ፣ ቱርኪ ኣብታ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውምን ኣብ ንግድን ቁጠባን ዘተኮረ ምትሕግጋዝ ከተስፍሕን ምዃና’ዩ ተግሊጹ።

እዚ ጋንጊስ ዝተባህለ ናይ ቱርኪ ኩባንያ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ፋብሪካ ክኸፍት ምውሳኑ’ውን ከም ኣካል ናይዚ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይጠቕሱ።

 

ሱዳንን ቱርኪን፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ንዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጠን ካብ 2 ቢልዮን ዶላር ናብ 10 ቢልዮን ዶላር ንምዕባዩ መደባት ተታሒዙ ከምዘሎ፣ ንልኡኽ መንግስቲ ቱርኪ መሪሑ ዝመጸ ብዓል ስልጣን ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ናይ ስምምዕ ናይ ምኽታም ኣጋጣሚ ገሊጹ።

እቲ ናይ ቱርኪ ኩባንያ ምስቲ ድሮ ኣብ ዕደና ነሓስ ዝነጥፍ ዘሎ ናይ መንግስቲ ሱዳን ትካል ‘ኣሪያብ’ ብሽርካ ክሰርሕ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ ዕደናን ጸዓትን ዝነጥፍ ኩባንያ ጋንጊስ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ቱርኪ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0