ቱርኪ፣ ኣብ ሱዳን ናይ 2 ቢልዮን ወፍሪ ንምክያድ መደብ ከምዘለዋ ገሊጻ

Radio Erena: 09 September 2021

ቱርኪ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሱዳን ናይ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከተካይድ መደብ ከምዘለዋ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር፣ ፉኣት ኦክታይ ገሊጹ።

ክሳብ 2020፣ ኣብ መንጎ ቱርኪን ሱዳንን ዝነበረ ንግዳዊ ልውውጥ 480 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ዝሓበረ እቲ ምክትል ፕረዚደንት፣ ንመጻኢ ኣብ ዕደናን ካልእ ወፍሪን ዘድሃበ ናይ ቢልዮናት ዶላር ፕሮጀክታት ምህላዉ ኣሚቱ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሱዳን ዘሎ ናይ ቱርኪ ኣስታት 90 ዝተፈላለየ ወፍርታት፣ ናይ 314 ሚልዮን ዶላር ካፒታል ከምዘለዎ ይግመት።

ቱርኪን ሱዳንን፣ ኣብ መፋቕር ወርሒ ታሕሳስ፣ ኣብ ንግንድ ወፍርን ዘተኮረ ዋዕላ ምክያደን ይዝከር።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ብ12 ታሕሳስ ብምርኻብ፣ ኣብ ወትሃደራዊ፣ ጸዓት፣ ንግዲን ካልእ ምትሕግጋዛትን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ጉዳያት ተመያይጡ’ዩ።

ሒደት መዓልታት ድሕሪ ርክብ መራሕቲ ሱዳንን ቱርኪን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ’ውን ናብ ኣንካራ ብምምራሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶዋን ተመሳሳሊ ዝርርብ ኣካይዱ።

ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ቅሩብ ምዃኑ’ውን ምስ ክልቲኦአም መራሕቲ ድሕሪ ዝገበሮ ርክባት ተቓሊሑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0