ቱርኪ፣ ንኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ክትገብር ድልውቲ ምዃና ገሊጻ

Radio Erena: 03 August 2021

ቱርኪ፣ ጸጥታን ርግኣትን ኢትዮጵያ ከምዘገድሳን፣ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ንምግባር ድልውቲ ምህላዋን ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ዝገለጸት ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶዋን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ’ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ብሰንበት 01 ነሓሰ፣ ኣብ ዝምድና ክልቴን ሃገራት ዘተኮረ ዝርርብ’ዮም ኣካይዶም ክብል ወሃቢ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ቱርኪ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ሓገዝ ይኹን ክልቲኦም መራሕቲ ዝተዘራረብሉ ጉዳያት ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ቱርኪ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ወይ ድሮን ክወሃቦ ይሓትት ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ይጋዋሕ ኣሎ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0