ቱርኪ፣ ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ሶማላውያን ዝውዕል ረድኤት ለጊሳ

Radio Erena: 03 April 2017

Turkey Somal

ቱርኪ፣ ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ሶማላውያን ዝውዕል ልዕሊ 170 ቶን ዝግመት ረድኤት ከምዝለገሰት ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር- ኣናዱሉ ሓቢሩ።

እታ ሃገር ነቲ ረዲኤት ድሕሪ ከምዝለገሰት ድሕሪ ምሕባራ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ቨይሲ ካይናክ ዝመርሖ ወኪል መንግስቲ ናብ ሶማል ልኢኻ።

እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብሰንበት 3 ሚያዝያ ናብ ከተማ ሞቛድሾ ድሕሪ ምእታዉ፣ ብዛዕባ ህሉው ሰብኣዊ ኩነታት ሶማል ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላ መሓምድ ተዘራሪቡ።

ቱርኪ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲማ ዝተመባጽዓቶ ኣስታት 170 ቶን ረዲኤት፣ ተወሳኺ 11 ሽሕ ቶን ንምልኣኽ’ውን ወሲና ከምዘላ እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብቲ ብደርቂ ተሃስዩ ዘሎ ሓደ ሓደ ከባቢታት’ ድሕሪ ምብጽሑ ገሊጹ።

 ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ንዘድልዮ ህዝቢ ሶማል ብቅልጡፍ ንምርዳእ፣ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ኣበርክቶ ክገብር ምዃኑ መንግስቲ ቱርኪ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።

ብደርቂ ተሃስዩ ካብ ዘለዋ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምሉእ ጸጥታን ሰላም ዘይሰፈና ሶማል እታ ቀንዲ ግዳይ ኮይና ትርከብ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0