ቱርኪ፣ ቅልውላው ኢትዮጵያ ሰላማዊ ምፍታሕ ንምርካብ ናይ ሽምግልና ቃል ኣትያ

Radio Erena: 19 August 2021

ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ።
ጣይብ ኤርዶዋን ኣብታ ሃገር ዑደት ምስ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዶባዊ ግጭት ብዘተ ንክፍታሕ ናይ ሽምግልና ተራ ክትጻወት ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ።
ጸጥታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕዙዝ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝገልጽ ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ኩነታት ኣብ ሰሜን’ታ ሃገር ቅልጡፍ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።
ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዑደት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣንካራ ዕዉት እዩ ኔሩ ክብል ገሊጹ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዲና ሙፍቲ፣ ንሃብቲ ማይን ወተሃደራዊ መዳይን ብዝምልከት ስምምዓት ተፈሪሙ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝርዝር’ቲ ስምምዓት ኣይገለጸን።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ምስ ሱዳን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብን ብዝምልከት ንልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጀፍሪ ፈልትማን መብርሂ ከምዝሃበ ገሊጹ። ሱዳን ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዞባ ኣልፋሽጋ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ተካዪድ ኣላ ክብል’ውን ከምዝኸሰሰ ተሓቢሩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0