ቱርኪ፣ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 27 ሓተቲ ዑቕባን 4 ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብን ብፖሊስ ተታሒዞም

Radio Erena: 16 May 2022

ፖሊስ ቱርኪ፣ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 27 ሓተቲ ዑቕባን ኣርባዕተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ሓንቲ ካብተን ደሴታት ናይታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ግሪኽ ንምእታው ኣብ ዝተበገስሉ እዋን’ዮም፣ ብሰንበት 15 ግንቦት፣ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቱርኪ፣ ዞባ ኢዝሚር ተታሒዞም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ናይቲ ዞባ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ሽዱሽተ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ 17 የመናውያን፣ ኣርባዕተ ድማ ሰኔጋላውያን’ዮም።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ብተወሳኺ፣ መንነቶም ብዝርዝር ዘይገለጽዎም ኣርባዕተ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ፣ ምስቶም ሓተቲ ዑቕባ ከምዝሓዝዎም ኣፍሊጦም።

ነቶም ሓተቲ ዑቕባን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብን ጽዒና ዝነበረት ሚኒባስ፣ ብምክትታል ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝተታሕዘትሉ፣ ኣብ ውሽጣ ክልተ ናይ ጎማ ጃላቡ፣ 30 መንሳፈፊ ጃኬት፣ 60 ሊትሮ ነዳዲን ካልእ ባሕሪ ንምስጋር ዘድሊ ናውቲን ከምዝተረኽበ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

ቤት ፍርዲ ዞባ ኢዝሚር፣ ነቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ከሰጋግሮም እንከሎ፣ ነቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ ክሱሳት ድማ ጉዳዮም ተወሳኺ ምጽራይ ክሳብ ዝግበረሉ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ ወሲኑ።

ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ተዛማዲ ህድኣት ከምዘሎ ኣብ ዝሕበረሉ ወቕቲ፣ ካብ ሊብያ፣ ቱኒዝያን ቱርኪን ተበጊሶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ናይ ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ብዝሒ ዛይዱ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0