ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ምስዋሮም መንግስቲ ኡጋንዳ ኣረጋጊጹ

ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ካምፓላ ተሰዊሮም ምህላዎም መንግስቲ ኡጋንዳ ኣረጋጊጹ። ኣብ ግጥማት ሴካፋ ንምስታፍ ብ24 ሕዳር 2012 ናብ ኡጋንዳ ዘምርሐት ተጻወቲ፣ ኣሰልጣኒ ተሓጋጋዚ፣ ሓኪም ጋንታን ኣወሃሃድትን ዝርከብዎም 22 ኣባላት ዝሓቝፈት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ግጥማት ሴካፋ ገና ከይተዛዘመ 18 ኣባላታ ምስዋሮም ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ሬድዮ ኤረና ቀሪቡ’ዩ። ብተደጋጋሚ ህድማ ተጻወቲ ዝተዳኸመት ሃገራዊት ጋንታ፣ ኣብዚ ናይ ሴካፋ ግጥማት ክትሳተፍ ድያ ኣይክትሳተፍን፣ ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ ብውሳኔ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራን ናብ ኡጋንዳ ዘምርሐት። እንተኾነ ኣብዚ ብስም ‘ዋንጫ ቱስካር’ ዝተኻየደ ግጥማት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፣ ዝተሰርዓላ ሰለስተ ግጥማት ድሕሪ ምክያዳ፣ ተጻወታ ፋሕፋሕ ኢሎም ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተሰወሩ ተሓቢሩ። ኣብ ምድብ ‘ሐ’ ዝተሰለፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ምስ ዛንዚባር 0 ብ 0 ክትፈላለ እንከላ ምስ ማላዊ ኣብ ዘካይውደቶ ግጥም ድማ፣ 3 ብ 2’ያ ተሳዒራ። ብ ሓደ ታሕሳስ ምስ ርዋንዳ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መወዳእታ ግጥማ 2 ብ 0 ዝተሳዕረት ሃገራዊት ጋንታ፣ ካብቲ ግጥም ድሕሪ ምግላፋ፣ ናብ ኣስመራ ንምምላስ ኣብ ዝነበራ መደብ፣ እቶም 17 ተጻወትን ሓኪም ጋንታን ብኡ ንእቡ ኣብ ከተማ ካምፓላ ክስወሩ እንከለዉ፣ ኣሰልጣኒ ነጋሽ ተኽሊት ዝርከቦም እቶም ኣርባዕተ ኣባላት እታ ጋንታ ግና ናብ ኣስመራ ንምምላስ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኤንተበ ከምዘምርሑ ተፈሊጡ። ካብቶም ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ካምፓላ ዝተሰወሩ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ከም 1-ሓላው ልዳት ዳንኤል ጎይትኦም 2- ቅያር ሓላው ልዳት ሳሙኤል ኣልኣዛር 3-ፍጹም ቀላቲ ሳልሳይ ቅያር ሓላው ልዳት 4-ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ምክልኻል ዝስለፍ ዮውሃንስ ነጋ 5-መስመር ምክልኻል ዮሃንስ ጥላሁን 6-መስመር ምክልካል እሰይ ክፍሎ 7-መስመር ምክልኻል መኮነን ክብሮም ዝኣመሰለኡ ብሉጻት ተጻወቲ ይርከብዎም። መንግስቲ ኡጋንዳ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ካምፓላ ተሰዊሮም ምህላዎም ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ወግዓዊ ዑቕባ ንምሕታትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምምዝጋብን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጉዳዮም ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ከቕርቡ’ውን ትጽቢት ይገብር። ኣብ 2007 ሃገራዊት ጋንታ ኣብ 2009 ግጥማት ጎባልል ክለባት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ፣ ብድምር 24 ተጻወቲ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ከምዝተረፉ ኣይርሳዕን። ሓያሎ ካብኣቶም’ውን ኣብ ኣውስትራልያ ምስ ዝርከባ ክለባት ተጸንቢሮም ጽቡቕ ስም ኣጥርዮም ምህላዉ ማዕከናት ዜና ስፖርት ይሕብራ። ብኣዛዚ ከቢድ ብረት ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ዝምራሕ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ሓደ ብርጋዴር ጀነራልን ብርከት ዝበሉ ኮለነላትን ከምዘመሓድርዎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0