ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ኣብ መንጎ ሱዳን፣ ግብጽን ኢትዮጵያን፣ ክቕጽል’ዩ

Radio Erena: 28 June 2020

ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ኣብ መንጎ ሱዳን፣ ግብጽን ኢትዮጵያን፣ ክቕጽል ምዃኑ፣ ካብ ከተማ ካርቱም ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

መራሕቲ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተሳተፉሉ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክራማት’ዚ ንዲጋ ተሃድሶ ክትመልእ ንዝመደበቶ ውሳኔ እውን ከምዘቋረጸቶ ተገሊጹ።

ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ካርቱም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ናይ ተክኒክ ጉጅለ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣኼብኡ ኣካዪዱ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ውጽኢቱ ከረክብ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ካብቲ ዘተ ስሒባ፣ ኣብ ናይዚ ዓመት’ዚ ክራማት ኣብ ዲጋ ተሃድሶ ማይ ከተዕቁር ክትጅምር ምዃና ድሕሪ ምግላጻ፣ ግብጺ ናብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ምቕራባ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ኣኼባ መራሕቲ ማሊ፣ ኬንያን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን እውን ተረኺቦም ኔሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0