ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር ናብ ከተማ ጁባ ተመሊሱ

ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር ናብ ከተማ ጁባ ተመሊሱ

Radio Erena: 27 April 2016

mac

ናብ ከተማ ጁባ ዝምለሰሉ ግዜ ከደናጕ ዝጸንሐ ተቃዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር ትማሊ 26 ሚያዝያ ናብታ ከተማ ኣትዩ።

እቲ ብኢጋድን ክልኦት ኣካላትን ኣብ ዝተካየደ ዘተ፣ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ብምዃን ምስ መንግስቲ ክጽንበር ዝተሰማምዐ ሬክ ማቻር፣ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት’ዩ ናብታ ከተማ ዝምለሰሉ ዕለታት ከናውሖ ጸኒሑ።

ምምላስ ሬክ ማቻር ናብ ጁባ፣ ነቲ ከይፈርስ ተሰጊኡ ዝጸንሐ ስምምዕ ሰላም እ ሃገር ዓቢ ተስፋ ምዃኑ’ውን ይግለጽ ኣሎ።

 

ሬክ ማቻር ምክትል ፕረዚደንት ንምዃን ብወግዒ ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝቖመ ሓድሽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ክምስረት’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0