ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን፣ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ቻርተር ኣጽዲቐን

ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን፣ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ቻርተር ኣጽዲቐን

Radio Erena: 27 January 2019

ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን፣ ድሕሪ ምውራድ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝምስረት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ቻርተር ኣጽዲቐን።

እቲ ‘ቻርተር ለውጥን ናጽነትን’ ዝተሰምየ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዝተሓንጸጸ መደብ፣ ውሕስነት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፣ ትግባረ ቁጠባዊ ልምዓት፣ ምብታን መንግስቲ ኣልበሽር ዝርከቦም ሓያሎ ነጥብታት ዘጠቓለለ እዩ።

መራሒ ሰልፊ ኡማ ኣል ሳዲቕ ኣልማህዲ ኣብ ኡምዱርማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ቻርተር ን20 ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ማሕበራት ተዓዲሉ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ሳዲቕ ኣልማህዲ ብ19 ታሕሳስ ናብ ሱዳን ኣብ ዝኣተወሉ ዝጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ ከም ኣጋጣሚ ክረአ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ንመጀመሪያ እዋኑ ብዓርቢ 25 ጥሪ እዩ ናብ ህዝቢ ወጺኡ።

ንፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ሃዲኡ እኳ እንተቐነየ፣ ንዝመጽእ ሰሉስን ሓሙስን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተወዲቡ ከምዘሎ ፖለቲካውያን ሓይልታት እታ ሃገር ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0