ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን፣ ምስ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ዝኣተዉዎ ስምምዕ ኣይተተግበረን ብምባል ተቃውሞ የካይዱ

ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን፣ ምስ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ዝኣተዉዎ ስምምዕ ኣይተተግበረን ብምባል ተቃውሞ የካይዱ

Radio Erena: 31 July, 2014

Beja

ተቓወምቲ ምብራቑ ሱዳን፣ ስምምዕ ኣስመራ 2006 ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ንቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን ወሪሮም ከምዝተቖጻጸርዎ ተገሊጹ።

እቲ ተቓውሞ፣ ፈለማ ኣብ ፊት ቀጽሪ እቲ ቤት ጽሕፈት ብሰለማዊ ሰልፊ እኳ እንተጀመረ፣ ፖሊስ ብሓይሊ ክብትንዎም ድሕሪ ምጅማሮም ግና ነቲ ቤት ጽሕፈት ክወርዎ ከምዝተገደዱ ማዕከናት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢረን።

 

ዝበዝሑ ካብ ዓሌት ቤጃን ራሻይዳን ብዝቖመ፣ ምንቕስቓስ ምብራቕ ሱዳን ብመንጎኝት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መነግስቲ ሱዳን ኣብ ጥቕምቲ 2006 ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተመ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ድማ፣ መራሕቲ እቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን ምንቕስቓስ ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ከም ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኮይኑ ኣብ ስልጣን ክመጽእን፣ እቲ ካብ ምዕባለ ተነጺሉ ዝተባህለ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ድማ ቆላሕታ ክግበረሉን ዝብል ይርከቦ።

እንተኾነ እቶም ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ዕጥቖም ኣውሪዶም ዝጸንሑ ኣባላት ምንቕስቓስ ምብራቕ ሱዳን ብፍላይ ድማ ተቓወምቲ ቤጃ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል እንደገና ብረት ክዓጥቑ ከምዝጀመሩ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ተቓወምቲ ቤጃ፣ ዕጥቖም ድሕሪ ምውራዶም መንግስቲ ሱዳን ብመሰረት እቲ ዝኸተሞ ስምምዕ ናብ ሲቪላዊ ህወይት ክምለሱ ዘኽእሎም መጣየሲ ይኹን ካልእ ዝኾነ ረብሓ ክረኽቦ ብዘይምኽእሎ ዝሓለፈ ዓመት ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝወደቡ’ውን ኣይርሳዕን።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0