ተሳትፎን ዓወትን ኤርትራውያን ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዓለም

Radio Erena: 20 October 2020

ሎሚ ሰሉስ 20 ጥቅምቲ ኣብ ዝጅምር ዎርልድ ቱር ቮልታ ቺኪሊስታ ስጳኛ፣ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ክሳተፉ’ዮም።

እዞም ንፈረንሳዊ ጋንታ ኮፊዲስን ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታናን ዝውክሉ ክልተ ተቐዳደምቲ፣ ኣብዚ 18 መድረኻት ዘለዎ ናይ 2882.2 ኪሎሜት ርሕቐት ክሽፍኑ’ዮም።

ኣብ ሻምፕዮን ዓለም 2020 ከምኡ’ውን ጂሮ ዲ ኢጣልያ 2020 ብሰሪ ናይ ቪዛ ጸገም ካብ ምስታፍ ዝተሰናኸለ ናትናኤል፡ ጋንትኡ ኣቐዲማ ምድላዋታ ብምጅማራ፡ ካብ ቮልታ ስጳንያ’ውን ብተመሳሳሊ ጸገም ቦኺሩ ኔሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ንኽወዳደር ተመሪጹ ዝነበረ ወዲ ጋንትኡ ስጳንያዊ የሱስ ሄራርዳ፡ ብሕማም ኮቪድ 19 ስለ እተጠቕዐ፡ መተካእትኡ ናትናኤል ክኣቱ ክኢሉ ኣሎ።

ወዲ 29 ዓመት ናትናኤል ቅድሚ ሕጂ’ውን፡ ኣብ ቮልታ ስጳንያ 2 ግዜ፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ 2 እዋናት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 2 ግዜ ተቐዳዲሙ ብምንባሩ፡ ናይ ሕጂ መበል ሻብዓይ ተሳትፍኡ ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር እዩ። ኣብ ቱር ዲ ፍራንስን ጂሮ ዲ ኢጣልያን ሓሓደ ግዜ ዝተወዳደረ ወዲ 26 ዓመት መርሃዊ ብወገኑ፡ ኣብ ቮልታ ስጳኛ፡ ንሓሙሻይ እዋኑ እዩ ክቐዳደም። ብሓፈሽኡ ድማ፡ ኣብ 7 ውድድራት ግራንድ ቱር ይሳተፍ ኣሎ ማለት እዩ።

ኣብ ክንዲ’ቲ ልሙድ 21 መድረኻት 18 መድረኻት ሒዙ ቀሪቡ ዘሎ ቮልታ ቺክሊስታ ስጳኛ፣ ሎሚ 20 ጥቅምቲ፣ 173 ኪሎሜተር ርሕቀት ብዘለዎ ውድድር ጀሚሩ 8 ሕዳር ኣብ ከተማ ማድሪድ ክዛዘም’ዩ።

ተሳትፎን ዓወትን ኤርትራውያን ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዓለምና ምስ ንእርኢ ድማ፣ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ኢብራሂም ዑመር፡ ኣብ ኒዊዚላንድ፣ ብቀዳም 17 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፣ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመሪጹ።

ኣባል’ቲ ኣብ ኤርትራ መወዳእታ ዘይብሉን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ምስ ዘመናዊ ባርነት ዝጽብጽብዎን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ ኢብራሂም ዑመር፣ ከም ኩሉ’ቲ ስደት ዝመረጸ መንእሰይ ኣብ 2003’ዩ ካብ ሃገሩ ወጺኡ።

ኣብ ኒዊዚላንድ፣ ኣብ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ንጥፈታትን እታ ሃገር ክዋሳእ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ንሰልፊ ዕዮ ብምካል ተወዳዲሩ፣ ኣባልት ባይቶ ንምዃኑ በቒዑ።

ኣብ ካልእ ዜና ድማ፣ ንመሰል ስደተኛታት ኣብ ምጥባቕ፣ ንነዊሓ ዓመታት ልዑል ግደ ዘበርከቱ ኤርትራዊ ካህን፣ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ካብ እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ሉዛን ናይ ክብሪ ዶክትሬት ማዕረግ ተዋሂብዎም።

ኣብ ኢጣልያ ዝመደበሩ፣ ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣጃንሲያ ሓበሻ ዝኮኑ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ንዝወደቁን፣ ኣብ ባሕሪ ናይ ምትሓል ሓደጋ ንዘጋጠሞምን ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ካልኦትን ብምርዳእ ዝተፈልጡ ካህን’ዮም።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0