ቦትስዋና ምስ ኤርትራ ኣብ ኣተካይዶ ናይ መልሲ ግጥም፣ ኣብ ሜዳኣ ጽኑዕ ጸጥታዊ ሓለዋ ከምእተካይድ ሓቢራ

ቦትስዋና ምስ ኤርትራ ኣብ ኣተካይዶ ናይ መልሲ ግጥም፣ ኣብ ሜዳኣ ጽኑዕ ጸጥታዊ ሓለዋ ከምእተካይድ ሓቢራ

Radio Erena: 12 October 2015

National Team

ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ 2 ብ 0 ዝሰዓረት ቦትስዋና፣ ሰሉስ ኣብ ሜዳኣ ኣብ እተካይዶ ናይ መልሲ ግጥም፣ ጽኑዕ ጸጥታዊ ሓለዋ ክካየድ ምዃኑ ንመግለጺ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሽንሁዋ ሓቢሩ።

እቲ ፈደረሽን ነቲ ሃገራውያን ጋንታታ ቦትስዋናን ኤርትራን ዝጋጠማሉ ስታድዮም ፍራንሲስታውን ብጽኑዕ ክሕሎ ምዃኑ ዝገልጸሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ኣቐዲሙ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ቦትስዋና ንቡርኪናፋሶ 1 ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም፣ ደገፍታ ሃጎሶም ንምግላጽ ናብ ውሽጢ ሜዳ ወሪሮም ስለዝኣተዉ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ብሰንኩ 5 ሽሕ ዶላር ድሕሪ ምቕጽዓ ከኣ፣ ኣብዚ ምስ ኤርትራ እተካይዶ ናይ መልሲ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ዓለም፣ ተመሳሳሊ ክስተት ከየጋጥም’ያ ስታድዮም ብጽኑዕ ክሕሎ ምዃኑ ትገልጽ ዘላ።

 

ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዘይትሳተፍ ዘላ ኤርትራ፣ ኣብ መጻረዪ ናይቲ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ፈላሚ ግጥማ ብቀዳም 10 ጥቅምቲ ኣካይዳ’ያ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ወጻኢ ካብ ዝቕመጡ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኣጠቓሊላ ኣብ ሜዳኣ ምስ ቦትስዋና ፈላሚ ናይ መጻረዪ ግጥም ዋንጫ ዓለም ዘካየደት ኤርትራ 2 ብ0 ምስዓራ፣ ደረጃ እታ ሃገራዊት ጋንታ ሕጂ’ውን ክመሓየሽ ከምዘይክኣለ’ዩ ዘረድእ ምዃኑ ተንተንቲ ስፖርት ይጠቕሱ።

ብህድማ ተጻወቲ ክብረ ወሰን ሒዛ እትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ 10 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 34 ኣባላት ሓቑፋ’ያ ናብ ቦትስዋና ኣምሪሓ ዘላ።

ኣብዚ ናይ ቦትስዋና ናይ መልሲ ግጥም፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከተምዝግቦ ካብ እትኽእል ዓወት ንላዕሊ ህድማ ተጻወቲ ከየጋጥማ ሕጂ’ውን እቲ ዝዓበየ ስግኣታ’ዩ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠመ ተደጋጋሚ ህድማ ተጻወቲ ካብ ታሕሳስ 2013 ንደሓር ንኣስታት ክልተ ዓመት ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ግጥማት ከየካየደት’ያ ጸኒሓ።

========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0