ቦትስዋና፣ ናይ ውሸባ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ፣ ኣብ 7 መዓልታት 22 ጾታዊ ዓመጽ ተመዝጊቡ

Radio Erena: 15 April 2020

ኣብ ቦትስዋና፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ድሕሪ ዝተመሓላለፈ ኣዋጅ፣ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት 22 ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተመዝገበ ንምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ፣ ዲና ማርት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ካብ 30 መጋቢት ክሳብ 5 ሚያዝያ ኣብ ዝነበራ መዓልታት፣ ክልተ ቅትለት’ውን ኣጋጢሙ ኣሎ።

ካብተን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና 22 ደቂንስትዮ፣ እተን ሸውዓተ ካብ 2 ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኤን ቆልዑ’የን።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ 23 ደቂንስትዮ’ውን ክብረተን ዘዋርድ ተግባራት ከምዝተፈጸመ ፖሊስ ቦትስዋና ጠቒሱ።

ኣብ ቦትስዋና፣ ኣብ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት፣ 133 ጉዳያት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝመዝገበ ጸብጻብ ፖሊስ ይሕብር።

ድሕሪ ምእዋጅ ውሸባ፣ ኣብ ሸውዓተ መዓልታት ጥራይ 22 ክሲ ምቕራቡ ዘመልከተት ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ፣ ካብ ዝበዝሕ ዘይተሓበረ ጉዳያት ክህሉ ከምዝኽእል ኣንፊታ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ሓያሎ ሃገራት ውሸባ ድሕሪ ምእዋጀን፣ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር፣ ጎነጽ ግኑን ተርእዮ ይኸውን ከምዘሎ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

ኣብ ከም በዓል ፈረንሳ ዝኣመሰላ ሃገራት እቲ ናይ ቃላት ዘለፋ፣ ክብርታት ዘነእእስ ጸርፍ ከምኡ ድማ ማህረምትን ኣካላውን ማህሰይትን ዘስዕብ ጎነጽ ብ35% ከምዝነሃረ’ዩ ተሓቢሩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0