ብOne Day Seyoum ዝተወደብ ፍሉይ ዝኽሪ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ 18 መስከረም ኣብ ሽወደን ተኻይዱ

ብOne Day Seyoum ዝተወደብ ፍሉይ ዝኽሪ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ 18 መስከረም ኣብ ሽወደን ተኻይዱ

Radio Erena: 22 September, 2014

One Day seyoum

ብምኽንያት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ-18 መስከረም፣ ብOne Day Seyoum ዝተወደበ ፍሉይ ዝኽሪ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።

ኣብቲ ትማሊ ሰንበት 21 መስከረም፣ ኣብ ስቶኮልም ኣብ ዝርከብ ኣቢኤፍ ኣዳራሽ ናይ ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ፍሉይ ዝኽሪ፣ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲከኛታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ዑዱማትን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሰባት ከምዝተሳተፉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ከተማ ስቶኮልም ሓቢሩ።

 

ኣብቲ ብመንእሰይ ቫንሳ በርሀን ኣምባሳደራት One Day Seyoum ን ዝተወሃሃደ መደብ፣ ኣደመንበር ናይዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰፍሊ ሶሻል ደሞክትራትስ ነበረ ሞና ሳህሊን፣ ኣብ ዝሃበቶ ናይ ድጋፍን መተባብዕን ቃል፣ ኣብ መንጎ ዓመጽንትን ተዓመጽትን ዘሎ ናይ እሱራት ኩነታት ምስ ናይ ኔልሰን ማንዴላ ብምዝማድ ከምዝገለጸት’ውን እቲ ካብ ዝቶኮልም ዝተላእከልና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሓብቱ ነቲ ን13 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ብሰኣላይ ተጋዳላይ ዝፍለጥ ስዮም ጸሃየ፣ ዮርዳኖስ ጸሃየ’ውን ንኣተዓባብይኡን ድሕረ ባይትኡን ብዝምልከት ገለ ክፋል ታሪኽ ሓዋ ከተካፍል እንከላ፣ ብርጋዴር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ’ውን ብወገኑ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቡ፣ ምስ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ዝነበሮ ሌላን፣ ስዩም ካብቶም ካልኦት ኣብቲ ዓውዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ሓሳቡ ብናጽነት ናይ ምግላጽ ትብዓት ዝነበሮ ምንባሩን ምስክርነቱ ሂቡ።

ተጠባዊት ሰብኣዊ መሰላት ሜሮን እስቲፋኖስ ንህሉው ኩነታት ኤርትራን እሱራትን ብዝምልከት ንዕዱማት መግለጺ ድሕሪ ምቕራባ ከኣ፣ ወኪል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ሽወደን ኣንድርያ ቦዲኩዩል፣ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ኩነታት ኤርትራ ንዘካየዶ ጻዕርታትን ጠቒሳ።

ምስ ሰውራ ኤርትራ ኣቐዲሙ ሌላ ዝነበሮ ኩርዳዊ ደራስን ጋዜጠኛን ኩርዶ ባካሲ’ውን ኣብቲ ኣብ ስቶኮልም ዝተኻየደ ፍሉይ ዝኽሪ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ተረኺቡ፣ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮም ደገፍ ብምዝኽኻር ሕጂ ዘለዎ ኩነታትን ግና ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።

ኣባል ማእከልይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ መሓመድ ብርሃን ብላታ ከኣ፣ ፍትሒ ስኢኖም ንዘለዉ ወገናትና ፍትሒ ዝረኽብሉ መንገዲ ንምርግጋጽ እንከኦን ወሳንን ጥርናፈ ጥራይ ምዃኑ ኣዘኻኪሩ።

ኣብቲ ብOne Day Seyoum ዝተወሃሃደ ፍሉይ ናይ ዝኽሪ መደብ፣ ጓል ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ቤተሊሄም ኢሳቕ ተረኺባ’ውን፣ ንታሪኽ ህይወት ኣቡኣን፣ ንሱ ድሕሪ ምእሳሩ ኣብታ ስድራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ህይወታ ዝፈጠሮ ጽልዋን ስምብራትን ብዝርዝር ኣቕሪባ።

ደቂ ንጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ናይ ክብሪ ዕዱማት ኮይነን ክርከባ መደብ ተታሒዙ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ናይ መገሻ ምድንጓይ ክሰለጥ ከምዘይክኣለ ወኪል ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ጓሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝርከቡ ጴጥሮስ ሰለሙንን ኣስቴር ዮሃንስ፣ መኣዛ ጴጥሮስ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ብቪድዮ ቀሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ዝነበረ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ማርቲን ሽብየ’ውን ብተወሳኺ ብምኽንያት ዝኽሪ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ 18 መስከረምን ንዋንደይ ስዮም ዘለዎ ደገፍን ዝገልጽ መልእኽቲ ሰዲዱ።

እቲ ኣብ ስቶኮልም ዝተኻየደ ፍሉይ ናይ ዝኽሪ መደብ ብማዕከን ዜና ኤክስፕረስን ብቀጥታ ይመሓላለፍ ኔሩ።

One Day Seyoum ፣ ን13 ዓመታት ኣብ ቤት ምእሰርቲ ንዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ፣ ፍትሒ ክረክብ ዝጽውዕ ኣህጉራዊ ጎስጋስ ኮይኑ፣ ብ17 ዓመት ጓል ሓብቱ ንስዮም ጸሃየ ቫነሳ በርሀ ዝተበገሰ’ዩ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0