ብፕረዚደንት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 09 February 2017

Turkey Ethio

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶክተር ቶሸመ ሙላቱ ኣብ ቱርኪ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ኣናዶሉ ሓቢሩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ቱርኪ መስሪታቶ ንዘላ ዝምድና ብዝያዳ ንምትራርኡ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ሙላቱ ብ7 ለካቲት ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዕልዋ ምትእስሳር ዘለወን፣ ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ናይ ብሕቲ ማእከላትን ኣብያተ ትምህርቲን ቱርኪ፣ ናብ መንግስቲ ቱርኪ ከረክበን ፍቓደኛ ምዃና ኣረጋጊጹ።

ቱርኪ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወፍርን ንግዲ ዘተኮረ ዝምድና ንምምስራት ብዝልዓለ ኣብ እትሰርሓሉ ዘላ እዋን፣ኣብ 2005 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ ተዓዛብነት መንበርነት ከምዝተዋህባ ይዝከር።

እታ ሃገር፣ ብፍላይ ምስታ ልዕሊ 80 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሕርሻ፣ ጨርቓ ጨርቂን፣ ፍርያትን ዕንጸይትን ካልእን ዘጠቓለለ ናይ ወፍርን ንግድን መደባት ንምክያድ’ያ ትሕልን።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ሚኒስተር ቁጠባ ኒሃት ዘይበቺ ዝመርሖ፣ ኣስታት 100 ኣውፈርቲ ዝሓቖፈንልኡኽ ቱርኪ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0