ብጸሓፊ ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ሶማልን ጂቡቲን ንዝርከቡ ሰራዊት ሃገሩ በጺሑ

Radio Erena: 30 November 2020

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ክሪስ ሚለር ዝመርሖ ላዕለዋይ ወኪል ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ሶማልን ጂቡቲን ንዝርከቡ ሰራዊት ሃገሩ በጺሑ።

እቲ ግዝይዊ ሚኒስተር ምክልኻል፣ ኣብ ካብ 27 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝርከቡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ረብሓታት ኣመሪካ ዝሕሎ ዘሎን ኣመሪካውያን ዘስተማቕርዎ ዘለዉ ናብራን፣ ሳላ’ቲ ሰራዊት ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእቲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ንሱ ናብ ሶማል ዝበጽሐ፣ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኣስታት 600 ወትሃደራት ከውጽእ ምዃኑ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ’ውን፣ ኣብ መዓስከር ለሞንየ ኣስታት 4 ሽሕ ሰራዊት ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

እታ ሃገር፣ ነቲ ሓይሊ ባሕሪን ኣየርን’ውን ከእንግድ ዝኽእል መዓስከር ለሞንየ፣ ተስፍሖ ከምዘላ ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0