ብግጉይ መንነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢጣልያ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም ናጻ ወጺኡ

Radio Erena: 14 July 2019

ብግጉይ መንነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢጣልያ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም ናጻ ወጺኡ።
ቤት ፍርዲ ፓለርሞ ብዓርቢ 12 ሓምለ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፣ መንእሰይ መድሃኔ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ብጌጋ መንነት ሙዃኑ ወሲኑ።
መድሃኔ ተስፋማርያም ብዕለት 24 ግንቦት 2016 ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳንን፣ ሃገራዊ ምክልኻል ገበን ብሪጣንያን ‘ዕዉት ስርሒት’ ብዝበልዎ ብሓባር እዮም ሒዞሞ።
ብ2016 ናብ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘቕረቡሉ መንግስታት ኢጣልያን ብሪጣንያን፣ ንሓደ ብከቢድ ገበን ዝሕተት፣ ኣብ ዓለም ካብቶም ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ገይሮም እዮም ጠቂኖሞ።
ተጣበቕቲ መሰላት፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ወጻእተኛታት መሓዙት ኤርትራ፣ ስድራቤቱን ጠበቑኡን ንዓመታት ብዘካየዱዎ ጻዕሪ ኣማኢት መርትዖታት ክቐርብ ክኢሉ’ዩ።
እንተኾነ ብኣንጻር ኩሉ’ቲ ክቐርብ ዝጸንሐ መርትዖታት፣ ኣኽባር ሕጊ ኢጣልያ፣ ንኩሉ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ንመድሃኔ ተስፋማርያም ናይ 14 ዓመት ማእሰርቲ ክብየነሉ’ዩ ክጽዕር ጸኒሑ።
ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ነዚ መድሃኔ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ገጺጉ፣ ብካልእ ማለት ‘ንቤተሰብካ ናብ ሊብያ ክሰግር ሓጊዝካ’ ዝብል ክሲ እኳ እንተቕረበሉ፣ መድሃኔ ድሮ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለዝጸንሐ፣ ብቕጽበት ናጻ ክወጽእ ወሲኑሉ።
ድሕሪ’ቲ ህይወት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ላምፔዱዛ 2013፣ ጉጅለ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢጣልያ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ንምህዳን ብዝጀመሩዎ መጽናዕቲ፣ ኣብቲ ጉዳይ ቀንዲ ተሓታቲ ዝበልዎ ንመድሃኔ ይሕደጎ መርእድ እዮም ኣብ ዒላማ ኣእትዮሞ። ምስ መድሃኔ ተስፋማርያም ግና ብዘይካ ናይ ስም ምምስሳል ካልእ ዘራኽቦም ኣይነበረን።
መድሃኔ ተስፋማርያም ሒደት ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ጀሚሮም ናይቲ ቀንዲ ኣሰጋጋሪ ማለት መድሃኔ ይሕደጎ ግዳያት ቃል ምስክርነቶም ብምሃብ፣ ብጌጋ ካልእ ሰብ ተታሒዙ ከምዘሎ’ዮም መስኪሮም።
ብፍሉይ ሓለዋ ኢጣልያ ኣብ ዝኣተወሉ እውን ካብ ናይ ዲ.ኤን.ኤ. ጀሚሩ ክሳብ’ቲ ኣሎ ዝበሃል ዘበናዊ ናይ ድምጺ መለለዪ መሳርሒታት ብምጥቃም ክፈልዩዎ ፈቲኖም፣ ኩሉ ከኣ ብጌጋ ከምዝተታሕዘ ዘመልክት እዩ ኔሩ።
እንተኾነ ኣኽባር ሕጊ ኢጣልያ ከም ናይ ውልቁ ፍሽለት ስለዝረኣዮ፣ ክሳብ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ንመድሃኔ ተስፋማርያም ገበነኛ ከምስሎ ጽዒሩ።
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰይ መድሃኔ ናጻ ክወጽእ፣ ካብ ፌርማታት ምእካብ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ በበይኑ ከተማታት ሰላማዊ ሰልፊ ብምድላው ‘ፍትሒ ንመድሃኔ’ ብምባል ቃሎም ኣስሚዖም’ዮም።
ቤተ ሰብ መድሃኔ ተስፋማርያም፣ ኣብቲ ብዓርቢ 12 ሓምለ ዝወዓለ መጋባእያ ናጻ ምውጽኡ ከምዝተሓጎሱ እኳ እንተገለጹ፣ ናይቲ ብጌጋ ዝተኣስሮ ካሕሳ ክኽፈሎ፣ ኣኽበርቲ ሕጊ ከኣ ብከቢድ ገበን ዝድለይ ውልቀሰብ ሒዝና ኢሎም ንሓደ ንጹህ ሰብ ክጥቅኑ ምፍታኖም መርመራ ክግበረሎም ሓቲቶም ኣለዉ።
ከምዝዝከር ሬድዮ ኤረና ተኸታታሊ መደባት ብምክያድ፣ ምስ ቤተሰቡን መቕርቡን ብምዝርራብ፣ ንግዳያት ናይቲ ቀንዲ ተሓታቲ መድሃኔ ይሕደጎ ብምርካብ፣ ንጉዳይ መድሃኔ ተስፋማርያም ክትከታተሎ ጸኒሓ’ያ።
በዚ ኣጋጣሚ ሬድዮ ኤረና፣ ንመድሃኔ ተስፋማርያምን ቤተሰቡን፣ ፍትሒ ብምርካብኩም እንቋዕ ሓጎሰኩም ትብል።

COMMENTS

WORDPRESS: 0