ብገበናት ኵናት ተኸሲሱ ክህደን ዝጸንሐ ሱዳናዊ ሓላፊ ሚሊሻ፣ ንፈለማ እዋኑ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

Radio Erena: 17 June 2020

ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኵናት ክህደን ዝጸንሐ፣ ሓደ ካብ ሓለፊ ሚሊሻ ሱዳን ነበር፣ ዓሊ መሓመድ ኮሸብ፣ ንፈለማ እዋኑ ኣብ ዘ ሄግ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ንሱ ብ15 ሰነ ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፣ ንኹሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝተመስረተ ክስታት ነጺጉዎ።

ዓሊ መሓመድ ዓሊ ኮሸብ፣ ምስዚ ኣብ እዚ እዋን’ዚ ምክትል ኣቦ መንበር መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዘሎ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ብምዃን፣ ብጃንጃዊድ ንዝፍለጥ ሚሊሻ መሪሖም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ተወላዶ ዳርፉር ህልዎት ከምዝፈጸሙ’ዩ ዝግለጽ።

በቲ ኣብ ዳርፉር ካብ 2003 ክሳብ 2005 ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺርን፣ እዋናዊ ምክትል ፕረዚደንት ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰበ ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሱዳን ብገበናት ኵናትን ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነትን ክህደኑ’ዮም ጸኒሖም።

ብ “ዓሊ ኮሸብ” ዝፍለጥ ዓሊ መሓመድ ዓሊ ዓብደራሕማን፣ ዝሓለፈ ቅንያት’ዩ ብወለንትኡ ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ናብ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢዱ ሂቡ።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ኔዘርላንድስ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሕቡራት ሃገራት ተሰጋጊሩ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብኣካል ናብ ፍርዲ ክቐርብ ዘይክኣለ መሓመድ ዓሊ ኩሻብ፣ ንዝቐረበሉ ክሲ ካብ ዳኛ ብመንገዲ ቪድዮ’ዩ ተኸታቲልዎ።

ጉዳዩ ብገበናት ኵናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ዘኽስሶ ብቑዕ መርትዖ እንተሎ ንምጽራይ ኣብ 7 ታሕሳስ ደጊሙ ከምዝርአ እቲ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ሂቡ።

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ካብ 2003 ኣትሒዙ ብዝተላዕለ ግጭት፣ ህይወይ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከምዘህለቐን ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ድማ ካብ መነባብርኦም ከምዘመዛበልን’ዩ ዝጥቀስ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0