ብዝጸረፍናዮ መስፈር ከይንጽረፍሲ…ኣይንጻረፍ

ብዝጸረፍናዮ መስፈር ከይንጽረፍሲ…ኣይንጻረፍ

Radio Erena: 15 May 2015

Akria

     ኣኽርያ ‘ምበር ናፊቐዮ! 

     ኣዛን-ተርሒም መስጊድ ሶማል ካብ ዘይሰምዕ እኮ ሽዱሽተ ዓመተይ ተቓሪቡ። ደወል-ቅዳሴ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ከኣ’ሞ ሬሳ ወላዲተይ ካብ ዘፋነኽሉ 3 መጋቢት 2008 ረፋድ ሰዓት 10 ምስ ተፋነኽዎ’የ። እንዳገብሪኤል ፊደል ዝቖጸርክሉ ቤት ትምህርተይ’ዩ። እግሪ ዘትከለኒ ሪጋ ሶማልን ሜዳ እንዳ ድርየን ትርኢቱ ውሪግሪግ ይብለኒ ኣሎ። ኣንታ ግዲ ክርስዖ ኢለ። ዘዕበየኒ ከይርስዕ ይኽደነኒ።

     ብድኽነትን ፍቕርን ሓለፋ ክንበር ከምዝከኣል ዝተማሃርክሉ ቤት ትምህርተይ’ዩ ኣኽርያ። መበቆልን ትውልድን ዘጻርዩ እንክገጥሙኒ፣ ዜግነተይ ኣኽርያ’ዩ እናበልኩ ገጽ ዝኸልኣሉ እዋና ሒደት ኣይኮነን።

 

     ኣኽርያ ሃይማኖት፣ መበቆል፣ ዘርኢ፣ ዓዲ፣ ትውልዲ…ወዘተ ዝብሉ ሓረጋት ኣይመሃረትንን። ድኻኣን ሃብታማን ብማዕረ’ዩ ዝነብራ። ፍቕሪ ሰብን እንስሳን ኣብ ኣኽርያ’የ ተማሂረዮ። ከተማ ፓሪስ፣ ፍቕሪ ኮራኩር ዘገድሶም መሊኦማ’ዮም። ግና ኣይ ከም ኣኽርያን ዝብል ምጉት’ዩ ዘሎኒ። ሰብ ዘለዎ ዘበለ ኩሉ ነቲ ዘፍቕሮ እንተሃበ’ዩ ዝያዳ ዘፍቕር። ኣኽርያ ከኣ ቁራስ ቕጫን እንጌራ ምስ ኣኻልብን ደማሙን ተማቒሉ ዝነብር ህዝቢ’የ ዝፈልጠላ። ብዛዕባ ኣኽርያ እልፊ ኣእላፍ ክገልጹ ዝኽእሉ ብዙሓት’ዮም። ኣኽርያ ቦታ ድኽነትን ፍቕርን፣ ቦታ ጸወታን ባእስን፣ ቦታ ጅግንነትን መስዋእትን፣ ቦታ መሻይኽን ካህናትን፣ ቦታ ምሁራትን ጸሓፍትን፣ ቦታ መማህራንን ሰብ ጥበብን ስለዝኾነ። ብዛዕባ ኣኽርያ እንተልዒለ ብዙሕ’የ ዘውግዕ። ኣብ እግሪ ኣይፍል ታወር ኣኽርያ ናፊቐ ዝነባዕክሉ ድሮ ሓድሽ ዓመት’ውን ኣሎ። መበገሲ ጽሑፈይ ግና ኣኽርያ ስለዘይኮነ ናብ ኣውራ ኣርእስተይ’ደኣ ከብለኩ።

     ኣብ ሽወደን፣ ከተማ ማልሞ’ዩ። ብመንገዲ ደንማርክ ከተማ ኮፐንሃገን ናብ ፓሪስ ክምለስ ባቡር እናተጸበኹ’የ። ብማዕዶ ዝተኣከቡ መንእሰያት ብዝርኣኹ ቛንቋ ትግርኛ ክዛረቡ ጸንሑኒ’ሞ ክሳብ ባቡር እትመጻኒ ምስኣቶም ከዕልል ብምሕሳብ ሰላምታ ተለዋዊጢ ክጽንበሮም ወሰንኩ።
ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ምሸት ኣቢሉ’ዩ። ቅሩብ ኣልኮላዊ መስተ ዝጠዓሙ መሰሉኒ። ዕላሎም ብዛዕባ ብሓባር ዝፈልጥዎም ሰባት ነበረ።

     “ንሱ ደኣ ካብ ሓማሴን’ዩ።”
     “ኣይኮነን ሓማሴን እንዳ’ዲኡ’ዩ። እምበር ዓደ’ቡኡ ሲ ቅናፍና’ዩ። እታ ወሊዱላ ዘሎ’ያ ጓል ኣከለጉዛይ። ከባቢ ሰርሓ’ዩ ዓዳ። ጓል ሽመዛና’ያ….።”

     ዕላላቶም ዓድን መበቆልን ኣብ ምጽራይ ዘድሃበ ምንባሩ ኣይሰሓትኩዎን። ኣብ ስደት ንብዙሓት ኤርትራውያን ጸልዩ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ብዓድን መበቆልን ምሕባን ሕማቕ ነገረ የብሉን። ጽልእን ቅርሕንትን ንምቱኽቷኽ ክሳብ ዘይኮነ።

     “ሰላም ከመይ ውዒልኩም? እዛ ባቡር ሰዓት ክንደይ ድያ ትመጽእ?”

     ንመላለዩ ዝተጠቐምክሉ ደኣ ነበረ’ምበር ሰዓት ባቡርን ነፋሪትን ከይጽናዕኩ ዝብገስ ሓድሽ ገያሻይ ኣይኮንኩን።

     ሰላምታ ተለዋወጥና። ከም ንቡር ካበይ ከምዝመጻእኩን ናበይ ይኸይድ ከምዘለኹን ተወከሱኒ። መኣዝን ጉዕዞይ ሓቢረ ድማ ነታ 21 ደቓይቕ ተሪፉዋ ዝነበረ ባቡር ምጽባይ ቀጸልና።

     እንደገና ናብ ዘቋረጽዎ ኣርእስቲ ተመልሱ። ብስቕታ ከዳምጾም ወሲነ። ናብቲ ዕላል ክጽንብረኒ ዝደለየ ሓደ ካብኣቶም፣-

Mereb

     “ይቕሬታ ነበሲ ካበይ ቦታ ኢኻ፣ ኣብ ኤርትራ ኣበይ ኔርካ?” ሓተተ።

     መኣዝን ሕቶኡ ኣይሰሓትክዎን። እታ ናይ ብዙሕ እዋን መልሰይ ከኣ “ኣኽርያ” ደጊመ’ያ። ንሱ’ውን ደሓን ይእቶ መኣዝን መልሰይ ግዲ ተረዲእዎ ደጊሙ ኣይሓተተንን።

     እቲ ቀደም፣ ኣበይ’ዩ ገዛውትኻ ዝብሃል ሕቶ ዝውቱር’ዩ ዝነበረ። ደቀስመራ እንተኮይኖም ኣኽርያ ፣ ማይ ተመናይ፣ ማይ ኣባሻውል፣.. ዕዳጋ ዓርቢ….ወዘተ ይምልሱ፣ ካብ ካልእ ከተማታት እንተኮይኖም ድማ ወዲ ባጽዕ፣ ወዲ ከረን፣ ወዲ ዓዲ ቀይሕ፣ ወዲ ተሰነይ…ወዘት። ካብ ዓድታት ዝመጹ ከኣ ከምኡ ዓድታት እናጠቀሱ …….ዝዓበይሉን ዝተወልድሉን ቦታ ይጽውዑ። ኣበ’ዩ ገዛውትኻ ወይ ከኣ ካበይ ኢኻ ምሕታት ናብ ክፋእ ዘንቀደ ሕቶ ኣይነበረን እቲ ቀደም እዋን።

     ኣባል ሓሙሻይ ዙርያ ኮይነ ኣብ ዝተዓለምክሉ እዋን እዞም ዝጠቀስክዎም ከተማታትን ዓድታትን መላለዩ ሓድሕድና’ዮም ዝነበሩ። ካብ በስማቶም ንላዕሊ ወዲ ባጽዕ፣ ወዲ ከረን፣ ወዲ ዓዲቀይሕ፣ ብሌናይ፣ ዓሳውርታ ብዝብሉ ሳጓታት ዝዝክሮም ብዙሓት’ዮም። ካብዚ ዝሓለፈ ንጽልእን ምፍልላይን ዘንቀደ ትውልዲ ዓድን መበቆልን ምሕታት ክሰምዕ ግና ቦኽሪ እዝነይ ኣብ ስደት’ዩ። ሓደ ካብ ምልክታት ሕማም ስደት ከኣ’የ ዝብሎ። ስደት ሲንድሮም።

     ኣብ ኢንተርነት፣ ፌስቡክ ፓልቶክን ትዊተር ዓድታት እናልዓሉ፣ መበቆልን መፈላለይን ነገራት ክጽሕትሩ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ምህላዎም ኣስተብሂልኩም ትህልዉ ኢኹም። ተበግሶኦም ታሪኻዊ መጽናዕቲ ንምክያድ እንተዝነብር ማሕረ ምኾነ። ዕላማ መልእኽቶም መታሕትን ከበሳን፣ ሓመሴን ኣከለጉዛይን ሰራየን፣ ትግራይ ትግርኚን ንምራጽም ዘንቀደ ክመስል ስለዝመረጹ፣ ቅዱስ ዕላማ ኣለዎም ንምባል ኣየድፍርን።

     ታሪኽን መበቆን ሓደ ሕብረተሰብ ንምጽራይ፣ ንኻልእ ሕብረተሰብ ምዝላፍን ምቁንጻብን ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ምንኣድ ነቲ ካልእ ከኣ ምንሻው ዘድልየሉ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኸውን። ኣበሳ ሕብረተሰብ ከጻሪ ዘንቀደ ውርጹጽ ኣበሳ ዘይብሉ ሰብ ከ ይህሉ ዶ ይመስለኩም?

     ሓደ እዋን ንባረንቱ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበርኩ እዋን፣ ከባቢ ሃብረንቓቓ ብዝበጻሕና፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ደቒቕ መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ኮይኑ ዝስምዖ መሳርሕተይ ነበረ’ሞ፣

     “እቲ ቀደም እኮ ካብ ሃብረንቓቓ ክሳብ ሰረጀቓ ናይ ብሌን’ዩ ዝነበረ” በለኒ።

     ንመጽናዕቱ ብምምስሳል ስም ይኸዶ ከይህሉ እናፈራህኩ፣

     “እሞ ዓድታት ቀብሪ ደሓርን ቀብሪ በያን ናይ ክልል ሶማል ከኣ ናይ ትግርኛ’ዩ ዝነበረ ማለት’ዩ” መለስክሉ።

     ስማት ዓድታት ንመበቆል ህዝብታት ይውክል ዶ ኣይውክልን ርእሱ ዝኸኣለ መጽናዕቲ’ዩ።

     መሳርሕተይ ግና ንመበቆልን ታሪኽን ህዝብታት ቤጃን ቤጋምድርን፣ ኣገውን ብሌንን ላስታን እንደርታን፣ ኣኽሱምን ሳባን፣ ኣዱሊስን በለው-ከለው…ወዘተ እናልዓለ መሊሰ ክሳብ ዝድንቁር ሕውስውስ ኣበለለይ።

     ኣብ ገላ ካብ ዕላላቱ ከም ቁጥዕ እናበለ’ዩ። ንመበቖል ገለ ህዝብታት ክሳብ ምዝላፍ ይመጣጠር። ክትዕና መዛዘሚ ክንረኽበሉ ከምዘይኮና ተረዲኡኒ ኣሎ። ንግዜኡ ሰማዒ ጥራይ ክኸውን መሪጸ። ክልተ ኣፈን ሓንቲ እዝንን ናይ ዘለዎ ሰብ ፍልስፍና ሓዘል ጽውጽዋይ ከኣ ዘኪረ።

     ፈጣሪ ንሰብ ዝዓደሎ ኣካላት በብጽምዲ ክነሱ፣ እተን ብዘይጽምዲ ዝተዓደላና ግና ኣዝየን ሓደገኛታት’የን። ሓንቲ ርእሲ፣ ሓንቲ ልቢ፣ ሓደ ከብዲ፣ ሓንቲ መልሓሰን ሓደ መትሎን ወይ ሓንቲ ርሕምን። ካብዘን ኩለን ዝያዳ ሓደገኛ ክትከውን እትኽእል ተዛሪባ ዘይትርብርብ ጸሪፋ ከኣ ዘይትዓግብ መልሓስ’ያ በሃላይ’የ። ሰብ ክልተ ኣፍ እንተዝነብሮ፣ ኣድራጋ ክጻረፍን ኣድራጋ ክበልዕን ነዛ ዓለም ዝያዳ’ዚ ዘላቶ መሕስኣ። በዛ ሓንቲ ኣፍና እኳ ክንድዚ ካብ ተጻረፍና’ሲ ክልተ እንተዝህልወና ደኣ ሕሰብዎ እንዶ? ሰብ’ሲ እንኳዕ ደኣ ክልተ ኣፍ ኣይሃለዎ፣ ዋላ’ኳ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ትዛረብ እንተኾነት። ልቢ’ውን ሓንቲ ምዃና ኣይትዘንግዑ። ክልተ ልብን ክልተ ኣፍን እንተዝህልወና’ሞ፣ ኣብ ሓደ እዋን ጥዑምን ጨዋምን ማይ ከምእተፈልፍል ዔላ ዶ ምኾንና? እዝግዮ…!

Mal

     ካብ ማልሞ ናይ ሽወደን ናብ ርእሰ ከተማ ደንማርክ ዝኾነት ኮፐንሃገን ዘሳግር ኣስታት ሸሞንተ ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ባሕሪ ዝሰንጠቀ ድልድል ብመስኮት ባቡር እናተዓዘብኩ’የ። ኣብ ኤውሮጳ ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ’ዩ። ነበርቲ እተን ጎረባብቲ ከተማታት ኦራሰንድስብሩን ‘ዮም ዝብልዎ። ነታ ኣብ ሽወደን ብዕብየታ ብሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ ማልሞ፣ ምስ ርእሰ ከተማ ደንማርክ ዝኾነት ኮፐንሃገን ከምእትራኸብ ብምግባሩ፣ ንማልሞ ቁሸት ኣምሲሉዋ ክብሉ’ውን ይጨርቁ’ዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ብዝመላለሳ ባቡር፣ ኣውቶቡሳትን መካይንን ኮፐንሃገንን ማልሞን ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከባ ተቐራረብቲ ከተማታት’የን ዝመስላ። እቲ ሓቂ ግና ኦራሰንድስብሩን ዘራኸበን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት’የን። ስሙ ምሓዙ’ውን ስለዝኸበደኒ ድልድል መረብ ክብሎ’የ መረጺ። መረብ ናይ ኤውሮጳ። ካብ ጽቡቕ ምንዮት ዝነቐለ’ዩ። መረብ ንመጀመርያ እዋነይ ዝርኣኽዎ ናይ መወዳእታ ምሩዃት ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዋወጡ’ዩ።

     ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ድልድል መረብ ሰብ ካብ ዘይመላለሶ 15 ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ። ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቐራረብ ዝተሃንጸ ድልድል፣ ብሰሪ ተጻረፍቲ መረሓሓቒ ክኸውን ምዕዛበይ ኣመና’ዩ ዘጉህየኒ። ካብ ዓዲዃላ ናብ ራማ ብመረብ ንምስጋር ኣስታት ሓደ ሰዓት ዝወስድ ጉዕዞ፣ ብስግረ ዶብ 18 ሰዓታት’ዩ ወሲዱለይ።

     ‘ስግር መረብ ስለእትውለድ ብዛዕባ መረብ ምላሽ ዘማጉት የብልካን’ ዝወቕስዎም ነበሩ ንኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም። ካብ ናይጀርያ ጀዓሊን ናይ የመን ጀበሊን ዝመበቆሎም ብዛዕባ መረብ ምላሽ ካብ መጎቱ፣ ስግር መረብ ዝተወልደ ደኣ ክንደየናይ ዘየማጉቶ’ መለሱ ኣቶ ወልድኣብ። እቲ እዋን’ቲ እንኳዕ እኳ ኢንተርነት ኣይነበረ። ተጻረፍቲ ብፌይስቡክ፣ ቲውተርን ፓልቶክን ቶግ ምተብሃሉ። ንምልልስ ኣቶ ወልድኣብን ተጻረፍቶምን፣ ናይ ዘመና ተጻረፍቲ ከየኮማስዕዎ ኣይተረፉን። ዝያዳ እኳ ደኣ ውርዝይናን ጭውነትን ብዝጎደሎ። መረብ ዝያዳ ከቀራርቦ ንዝኽእል ጎረባብቲ ህዝቢ ከረሓሕቁ፣ እንተኾነሎም’ውን ከናቑቱ ውዒሎም ዝሓድሩ ተጻረፍቲ ብዙሓት’ዮም።

     ብመሬት ዘይራኸባ ዴንማርክን ሽወደንን ሳላዚ ካብ ዝህነጽ 15 ዓመቱ ዘቑጸረ ድልድል ኦራሰንድስብሩን ክቐራረባ እንከለዋ፣ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ብዝተሃንጸ መረብ ዝተቐራረባ ጎረባብቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረሓሓቓ ንዕዘብ ኣሎና። ነገረ’ያ ኣጋጣሚ ከኣ፣ መረብ ኤውሮጳ ዝተኸፍተሉ፣ መረብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተዓጽወሉ ምዃኑ ከይገረመኒ ኣይተረፈን።

     ወሓዚ ላ ሴን ናይ ፈረንሳ ናብ ኣትላንቲክ ኣብ ዝፈሰሉ ናይ መወዳእታ ጉዕዞኡ፣ ንወደብ – ለ ሃርቭ ካብ ማእከል እታ ሃገር ከምዝፍለ ስለዝገበሮ፣ ነዚ ብዝሓጸረ መንገዲ ንምርኻቡ ፈረንሳውያን ዘመናዊ ተንጠልጣሊ ድንድል ምህናጾም ሰብ ኣዛሪቦም’ዮም። ድልድል ኖርማንዲ ብዝባኑ እናክትጕዓዝ ዝስምዓካ ምንቅስቃስ እኳ እንተዘይሃለወ ብግብሪ ግና ምስ ማዕበል ናይቲ ዝፈስስ ወሓዚ ሓይሎ ሜትሮታት ንየማንን ጸጋምን’ዩ ዝወዛወዝ። ፖትሩጋላውያን’ውን ምስቲ ኣብ ኣመሪካ፣ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ ጎልደን ጌት ብሪጅ ዝመሳሰል ድልድል ሃኒጾም፣ ነታ ብባሕሪ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለተ ከተማ ሊዝበን ከምእትራኸብ ጌሮም ኣማዕሮጎማ’ዮም። ነበርቲ’ዛ ጥንታዊ ከተማ ሊዝብዋ’ዮም ዝብልዋ። ኣብ ናይ ፈለማ ጉዕዞይ ናይ ቕብጥሮት ስማ’ዩ መሲሉኑ። ከምዚ እኳ ንሕና ንከተማ ኣስመራ፣ ኣስማሪኖ…እንብላ ማለት’ዩ።

Lisb

     ድልድላት ኖርማንዲን ሊዝብዋን፣ ዘመናውን ንተዓዛቢ መሳጥን’ዩ። ቁጠባዊ ኣገዳስነቱ’ውን ኣመና ዕዙዝ። ክንድቲ መረብ ንከባቢታት እንዳገርስን ራማን ንምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዓድዃላን ወረዳ መረብ ለኸን ክህልዎ ዝኽእል ባህላውን መበቆላዊ ምትእስሳር ዘገድስ ግና ኣይመስለንን።

     ድልድል መረብ ከም ኦራሰንድስብሩን ሓለፍኡን ክኸውን ምምናየይ ከኣ ምስ ዕሽነት ኣይትጸብጽቡለይ። መረብ ዋላ’ኳ ዘመናዊ ድልድል እንተዘይኮነ፣ ታሪኻዊ’ዩ ግን።

     ኣብ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልቲኦም መንግስታት ንድልድል መረብ ንምፍራስ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ተስፋ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣርእስተይ፣ ብዝጸረፍናዮ መስፈር ከይንጽረፍሲ ኣይንጻረፍ ስለዝኾነ፣ ነዞም ጎረባብቲ መንግስታት በዚ እንተመጎስክዎም ኣይትሓዙለይ።

     ነገረ’ያ ጸርፊ መንግስታት ካብ ተላዕለ፣ መራሒ ቬኔዙዌላ ነበር ኡጎ ቻቨዝ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ኣብ ገዛእ ዓዱ ኣብ ቅድሚ እኩባት መራሕቲ ሃገራት ‘ዲያብሎስ’ ክብል ዝጸረፈሉ ኣጋጣሚ ትዝክርዎ ዶ? ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ ኔሩ’ዩ። እቲ እዋን’ቲ ዓለም ሲ እንኳዕ ንጸርፍታት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይትሰምዖ ኮነት ዝበልክሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

     ካብ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጸርፊ ከም ኣይሂ ዝናብ ዝወርደሉ ዝነበረ እዋን፣ ብዝያዳ ዝዝክራ ‘ከዳሚ’ያ። ንበሃልታ ተመሊሳ ዘጽረፈት ጸርፊ’ያ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝዳሎ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ክትደጋገም ስለዝተወሰነ፣ እዝኒ ሰማዕቲ ዝኾኸየት ነበረት። ዝኸዓቡዋ ከኣ እቶም ዝበዝሑ’ዮም ዝብል ግምት ኣሎኒ። 150 ቃላት ኣብ ዝነበራ ዜና፣ እተን 50 ዝኾና ‘ከዳሚ ስርዓት ወያነ’ ዝብላ ምንባረን ሓንቲ ፍጻሜ እዝክር።

     ክኢላታት፣ ዜና ቅጽላትን ኣጋንኖን እንተዘይበዝሖ ብፍላይ ከኣ ጸርፊ እንተዘይሃልዎ’ዩ ዝምረጽ ክብሉ ካብ ሞያን ስነ ምግባር ጋዜጠኝነትን ዝተበገሰ ርእይቶ ሃቡ። ሰማዒ ኣይረኸቡን። ‘ጸርፊ ሓበሬታ ኣይኮነን። ፍልጠት የብሉን። ጥበብ’ውን ኣይኮነን’ ደጋገሙ። ካብ ጌግኡ ዝጠዓስ’ሞ ዝምለስ ግና ተሳኢኑ። ዝያዳ ዝተጻረፈ ዝሓየለ ጋዜጠኛ ክሳብ ዝቑጽረሉ መድረኽ ተበጺሑ። ካብ ኩሉ ዝበኣሰ ከኣ፣ መንግስቲ ኤርትራ ተጻሪፉ ካብ ዘውረዶ ጉድኣት ንላዕሊ ንገዛእ ዜጋታቱ ዝመሃሮም ጸርፊ ብኢሱ። እንሆ ኸኣ ሎሚ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ኢንተርነት፣ ፌስቡክ፣ ትዊተርን ፓልቶክን ክጻረፉ ይውዕሉን ይሓድሩን ኣለዉ። ዝያዳ ዝተጻረፈ ዝያዳ ዝተቓወመ ክሳብ ዝመስል፣ ጸርፊ ብኮናትል ይራገፍ ኣሎ።

     ገለ ገሊኣቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ነቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስትን ጸሪፎም’ውን ስለዘይጸገብዎ፣ ‘በጃኻትኩም ኣጻርፉና፣ ጸርፊ ዘይተጻረፈ ካባና ይፈለ’ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ’ውን ረኺበ ኣለኹ። ዲክታቶር፣ መላኺ፣ ጨቛኒ፣ ክናና፣ ወዲ መድህን በራድ፣ ዲያብሎስ…..ወዘተ..ወዘተ ዝኣመሰሉ ቅጽላትን ጸርፍታትን ገና እኹላት ስለዘይኮኑ፣ ሓድሽ ጸርፍን ቅጽላትን ዝመሃዘ ከም ጥበበይና ዝቑጸረሉ ግዜ ኣርኪቡና ኣሎ። ሓድሽ ሓበሬታ ምንዳይ ደኣ’ምብር ወግሐ ጸብሐ ሓድሽ ጸርፊ ምምሃዝሲ ዝዓብሶ የብሉን። ዘምጽኦ ለውጢ’ውን የልቦን በሃላይ’የ።

Mereb2

     ጸርፊ ናብ ኩሉ መኣዝን’ዩ። ጸርፊ ንመንግስታት፣ ጸርፊ ንውልቀሰባት፣ ጸርፊ ንዘርኢ ሰብ፣ ጸርፊ ንህዝብታት፣ ጸርፊ ንመበቆል፣ ጸርፊ ንሃይማኖት፣ ጸርፊ ንብሄራት፣ ጸርፊ ንቋንቋታት፣ ….ኮታ መወዳእታ የብሉን። ኢንተርነት፣ ብፍላይ ከኣ ፌስቡክን ፓልቶክን ኣብ ዝኣትወሉ እዋን፣ በራሪ ጸርፍታትን ስኬጆታትን ከይረኽበኒ’የ ዝሰግእ። ኣውራ ዘስግእኑ ግና እቶም ህዝቢ ብህዝቡ፣ ሕብረተሰብ ብሕብረተሰቡ ንምጽራፍ ትብዓት ዝረኸቡ ውልቀሰባት’ዮም። ብሓቂ ተበዓት’ዮም። መበቆልን ዘርእን ህዝብታትን ሕብረተሰብን ንምጽራይ ካብ ዝብገሱ እሞ ህዝብታትን ሕብረተሰባትን ንምዝላፍን ቅድሚ ምትብዖም፣ ገዛእ ዘርእናን ዘርኢ ደቅናን ንምጽራይ ተቢዖም እንተዘትብዑና ኣመና መድነቕክዎም። ሳላ ምዕባለ፣ ዘርእኻን ዘርኢ ደቕኻን ንምጽራይ ሎሚ ሳልስቲ ዘይወስድ መርመራ DNA ምግባር ጥራ’ዩ።

     ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ፖለቲከኛ ፈረንሳ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ወዲ 87 ዓመት ኮይኑ ዝርከብ ዦን ማሪ ለ ፐን፣ ንዝመርሖ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ፣ ሃገራዊ ግንባር፣ ብሰንኪ እርጋን ከመሓድሮ ብዘይምኽኣሉ ንቦኽሪ ጓሉ ማሪን ለ ፐን ኣረኪቡ፣ ናይ ክብሪ ስም ጥራይ’ዩ ሒዙ ዘሎ። እዞም ዓሌት፣ መበቆልን ዘርእን እናጻረዩ ብምጽራፍ ዝልለዩ ስድራ ፈረንሳ ብጥቕልሉ ብ ‘እንዳ ለ ፐን’ዮም ዝፍለጡ። ክብሪ ፈረንሳ ክምለስ እንተኾይኑ ሕብረተሰብ ፈረንሳ ፈሪሱ ዳግም ክህነጽ ኣለዎ’ዩ መርገጺኦም። ምትሕንፋጽ ጸሊም፣ ዓረብ ኣይሁድ፣ ጂፕሲን ካልእ ዓሌታትን ንሕብረተሰብ ፈረንሳ ጸይቕዎ’ዩ’ሞ ክፈርስ ኣለዎ በሃልቲ ከኣ’ዮም። ከተፍርስ ቀሊል’ዩ። ዝኸበደ ክትሃንጽ’ዩ። እንዳ ለፐን ግና ብዓሌት፣ ሃይማኖት፣ መበቆልን ዘርእን እናጠቓቐሱ ንሕብረተሰብ ፈረንሳ ከፍርስዎ ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን። ህዝቢ ፈረንሳ ሳላ ዝሓለፎ ሰውራታት ኣብ ኤውሮጳ ዝሓሸ ናይ ምጽዋር ተሞክሮ ዘጥረየ ህዝቢ’ዩ ዝብሃል። እንዳ ለ ፐን ግና ተኸኣኢልካን ተጸዋዊርካን ምንባር ዝብሃል የለን፣ ዘርእን መበቆልን ዓሌትን ምስ ዝጻረ’ዩ’ያ እቲ ዝብህጉዋ ፈረንሳ ህላዌኣ ክረጋገጽ ዝኽእል በሃልቲ’ዮም።

     ኣብ ሓደ ሙዉቕ ክረምቲ፣ ንእሽቶ ጓሎም ንእንዳ ለ ፐን፣ ከም ወዝቢ ምልኩዕ ጎበዝ ኣጋጣማ’ሞ ኣይ ሳልይስቲ ኣይ ራብዕቲ ብኡ ንብኡ ድቂ ሓዘት። ንእንዳ ለ ፐን መንጸሮር ኮነ። ተጓይዮም ዓሌት፣ ዘርእን መበቆልን ጓሎም ዘጥነሰ ጎበዝ ኣጻረዩ። ወዮ ጎበዝ ካብ ዝምክሕሉ ዘርእን ዓሌትን ፈረንሳ ዘይምዃኑ ጥራይ ከይኣክል፣ ኣቐዲሙው’ን ካብ ክልተ ጎራዙ ብዘይ መርዓን ንቡርን ኣቦ ክልተ ቆልዑ ምዃኑ ፈለጡ። ረኺሱ’ዩ፣ መሽሚሹ’ዩ፣ ጠቕሊሉ ከይፈረሰ ኣይክህነጽን’ዩ ክብልዎ ንዝጸንሑ ሕብረተሰብ ፈረንሳ ዝያድኡ ዝረኸሱ ኮይኖም ከኣ ተሰምዖም። ጓሎም ዘጥነሰ ጎበዝ ውሉደይ ኢሉ ከይሓትት፣ እቲ ቆልዓ ድማ ብስም ኣቡኡ ዘይኮነ ብስም እንዳ ለ ፐን ክጽዋዕ ዛጊት ምስጢሩ ዘይተነግረ ስምምዕ ጌሮም ከኣ ብምስጢር ሓዝዎ።

     እዚ ናይ ሓያሎ ዓመታት ምስጢር ዝተኸሽሐ፣ ኣቦ ቆልዓ ብሰንኪ ካንሰር ቅድሚ ሞቱ ሎሚ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝዘርግሓ መጽሓፍ ነበረ። ናይ ነገር ኣጋጣሚ ድማ እዚ ጓሎም ንእንዳ ለ ፐን ኣጥኒሱ፣ ስም ወዱ ድማ ብስም እንዳ ለ ፐን ክጽዋዕ ዝተሰማማዓሉ ምስጢር ንዓመታት ዓቝሩ ዝጸንሐ ፈረንሳዊ፣ ካብ 2009 ክሳብ’ቲ ብጽኑዕ ሓሚሙ ካብ ስራሕ ዓለም ዝተፋነወሉ 2012 ኣብ ኤርትራ ዝተመደበ ኣምባሳደር ሪፖብሊክ ፈረንሳ ነበረ።
ኣምባሳደር ሮዠ ኦክ ቅድሚ ሞቱ ኣብ ዘዳለዋ ንታሪኽ ህወይቱ ኣብ እተዘንቱ መጽሓፍ፣ ንእንዳ ለ ፐን ካልእ መርድእ’ውን ገደፈሎም’ዩ። ምስቲ ዝፍንፍንዎ ዓሌት ኣይሁድ ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዝነበሮን ኣባል ስለያ እስራኤል ምባሩን ዘቃልዕ መርድእ።

Auq

     ናይ እንዳ ለ ፐን ፍጻሜ፣ ‘ሕማቕ ዘንቀደ ዘርኢ፣ ዓሌትን መበቆልን ናይ ምጽራይን ምቱኽቷኽ ተበግሶ ንዘለዎም ተጻረፍቲ፣ ቅድም ቀዳድም ዘርእን ዓሌትን ገዛእ ርእሶምን ደቆምን የጻርዩ’ሞ፣ ህዝቢ ብህዝቡ ሕብረተሰብ ብሕብረተሰቡ ንምጻርፍ ትብዓት ክረኽቡ’ ንምባል ኣኽኢልዎም’ዩ ንሓያሎ ኣንጻር የማናውያን ሰልፍታት ዝቆሙ ፖለቲከኛታት።

     ዘርኢ፣ መበቆልን ዓሌትን ንምጽራይ እንተተበጊስና እምበኣር ሓደራኹም! እንተስ ኣባና እንተስ ኣብ ደቅና መበቆል ስግር መረብ ጥራይ ዘይኮነ መረብ ዘየራኽቦ፣ ስግር ባሕርን ውቅያኖስን መበቆል ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ’ውን ክጸንሓና ስለዝኽእል ቅድመ ምድላዋት ንግበር።

     እቲ ዝሓሸ እኳ ብዝጸረፍናዮ መስፈር መታን ከይንጽረፍ ሲ እንተዘይተጻረፍና’ዩ በሃላይ’የ።

     ዘዋሪት ብርዐይ ዊን ዝበላ ኣርእስቲ ሃሰው ኢላ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ክሳብ እንራኸብ ደሓን ቀንዩ።

ዕባይ ኣኽርያ ካብ ፓሪስ
15 ግንቦት 2015

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0