ብዝሒ ደቂንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ መጽናዕታት ይሕብሩ

Radio Erena: 18 December 2019

ብደረጃ ዓለም፣ ብዝሒ ደቂንስትዮኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብዚ ዓውዲ ብምትኳር ዝተኻየዱ መጽናዕታት ይሕብሩ።

ካብ 1960 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ 55 ዓመታት፣ 108 ደቂኣንስትዮ ኣብ 70 ሃገራት ብደረጃ መራሕቲ ሃገራትን ሚኒስተራትን ስልጣን ሒዘን።

ካብ 1997 ክሳብ 2009 ኣብ ዝነበረ 12 ዓመታት ድማ 44 ደቂኣንስትዮ ብደረጃ መራሕቲ ሃገርን መንግስትን ብምዃን ጽፍሒ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ክሕዛ ክኢለን።

ክሳብ እዛ ክንፋነዋ ሒደት መዓልታት ተሪፉዋ ዘላ ዓመት ድማ ብዝሒ ደቂንስትዮ ኣብ ላዕለዋይ ፖለቲካዊ ስልጣናት ብ47% ዕብየት ኣመዝጊቡ።

እዚ ማለት ካብ 2009 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ 10 ዓመታት፣ 65 ደቂንስትዮ ብደረጃ መራሕቲ ሃገራት፣ መንግስታትን ሚኒስተራትን ጽፍሒ ሒዘን።

ዝልዓለ ስልጣን ሃገር ዝጨበጠ ናይ ፈለማ ጓለኣነስተይቲ፣ ኣብ 1960 ኮይኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ስሪላንካ፣ ሲሪማቮ ባንዳርናይክ’ያ።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ 1969 ኣብ እስራኤል፣ ጎልዳ መየርን ኣብ ህንዲ፣ ኢንድራ ጋንዲን፣ ኣብ 1974 ኣብ ኣርጀንቲና፣ ኢዛበል ማርቲነዝ ፔሮን፣ ኣብ 1975 ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፖብሊካ፣ ኤሊዛቤት ዶሚትያ፣ ኣብ 1979 ኣብ ኣብ ብሪጣንያ፣ ማርገሪት ታርቸር፣ ኣብ 1980 ኣብ ደመኒካን ሪፖብሊክ ሪፖብሊክ፣ ኡጂንያ ቻርለስን ካልኦትን ዝልዓለ ስልጣን ሃገርን መንግስትን ክጭብጣ ክኣላ።

ኣብ ኣይስላንድ ኣብ 1980 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ናብ ስልጣን ዝመጸት ፕረዚደንት ቪግዲስ ፊንቦጋዶቲር፣ ነፍሲ ወከፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሐ ተኸታታሊ ኣርባዕተ እዋናት ብምዕዋታ፣ ን16 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሓ።

ንሳ፣ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐት ጓለነስተይቲ ፕረዚደንት ተባሂላ ክብረ ወሰን ጨቢጣ ትርከብ።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፣ ካብ 2005 ኣትሒዛ ን14 ዓመታት፣ ዝነውሓ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘላ ጓልኣነስተይቲ፣ ቻንስለር ጀርመን፣ ኣንግላ መርከል’ያ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንመጀመርያ እዋን ጓለነስይቲ ናብ ዝልዓለ ጽፍሒ ስልጣን ሃገርን መንግስትን ዝመጸት ኣብ 1975 ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ኮይኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኤሊዛቤት ዶሚትያ’ያ። ዕድመ ስልጣና ንሓደ ዓመት ጥራይ’ዩ ጸኒሑ።

ድሕሪ’ዚ እዋን፣ ክሳብ 2006 ኣብ ኣፍሪቃ ናብቲ ዝልዓለ ጽፍሒ ሃገር ዝደየበት ጓለነስተይቲ ኣይነበረትን።

ፕረዚደንት ምዕባር ኣፍሪቃዊት ሃገር ላይበርያ ነበር፣ ኤልን ሰርሊፍ ጀንሰን፣ መበል 24 ፕረዚደንት ላይበርያ ኮይና ኣብ 2006 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኣ ንደቂኣንስትዮ ኣፍሪቃ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዝብል ተስፋታት ዘሕደረ ፍጻሜ’ዩ።

ተዓዋቲት ስልማት ኖቤል ዝኾነት ኤሊን፣ ንላይበርያ ን12 ዓመታት መሪሓ ኣብ 2018 ብህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዎያ ተሳዒራ፣ ስልጣና ብሰለማዊ መንገዲ ኣሰጋጋጊራ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከም በዓል ፈረንሳ፣ ካናዳን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት ፍርቂ ካብ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ብደቂንስትዮ ዝተባሕተ’ዩ።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት’ውን ብዝሒ ደቂንስትዮ ኣብ ኣባልነት ባይቶ እናዛየደ ክመጽእ ይርአ።

ብሕጊ ሸሪዓን ዓቃባዊ እምነታትን ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት፣ ደቂንስትዮ ናብዚ ስልጣን’ዚ ንምምጻእ ገና ብድሆ ኮይኑወን ይርከብ።

ብኣመንቲ ምስልምና ኣብ ዝተዓብለለት ሃገራት፣ ናብ ስልጣን ዝመጸት ናይ መጀመርያ ጓልኣነስተይቲ ኣብ ፓኪስታን ኮይኑ ኣብ 1988፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር በናዚር ቡቶ’ያ።

ኣብ ፊንላንድ ድማ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብ10 ታሕሳስ 2019፣ ሳና ማሪን ዝተባህለት ጓል 34 ዓመት መንእሰይ፣ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብዕድመ ዝነኣሰት ጓለነስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና ተመሪጻ።

==========================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0