‘ብዝሒ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ’ዩ ዝስራዕ’

‘ብዝሒ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ’ዩ ዝስራዕ’

Radio Erena: May 22, 2014

Uganda Invest

ብዝሒ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ፣ ምስቶም ቀዳሞት ሓሙሽተ ከምዝስራዕ ንመንግስታዊ ምንጭታት እታ ሃገር ብምጥቃስ ኢንድያን ኦሻን ኒውስ ለተር ሓቢሩ።

ኣብ ኡጋንዳ ካብ ኤርትራ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኮንጎ፣ ኣንጎላ፣ ርዋንዳ፣ ህንዲ ቻይናን ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ኣሚእት ኣሽሓት ኣውፈርቲ ከምዘለዉ ዝሃበረ ጸብጻብ መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስቶም ቀዳሞት ሓሙሽተ ከምዝስራዕ ጠቒሱ።

 

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተፈላለየ ንግድን ወፍርን ዝተዋፈሩ ኣስሓት ኤርትራውያን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብመሰረት እቲ መንግስቲ ኡጋንዳ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጸብጻብ፣ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ብኤርትራውያን ናይ ዝንቐሳቐስ ካፒታል ኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር በጺሑ ይርከብ።

መበዛሕቶም ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ፣ ኣብ ኤርትራ ጥጡሕ ናይ ወፍሪ ባይታ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎ፣ ወፍሮም ናብታ ሃገር ዘግዓዙ’ዮም።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲታትን ህሉው ኩነታት እታ ሃገርን፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ውን ክስሕብ ብዘይምኽኣሉ፣ ሓይሎ ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ከውፍሩ ከምዝኽኣሉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኡጋንዳ ብዘይካ’ዞም ኣብ ወፍርን ንግድን ዝነጥፉ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ናይ ስራሕ ዕድል ንምርካብ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩ’ውን ብ10ታት ኣሽሓት’ዮም ዝቑጸሩ።

ብዘይካ ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኮንጎን ኣንጎላን’ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ናይ ኣምኢት ናይ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ካፒታል ከምዘንቐሳቕሱ፣ ጸብጻባት ቁጠባ ኣፍሪቃ የመልክት።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0