ብዝሒ ተጠቀምቲ ሞባይል ኣብ ኤርትራ 7.5% ጥራይ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 December 2016

Mob Er

ኣብ ኤርትራ፣ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን 7.5 ካብ ሚእቲ ጥራይ ምዃኖም፣ ኣብ ኣገልግሎታት ርክባት መጽናዕቲ ዘካይድ ኣህጉራዊ ትካል ቡድ ኮም ሓቢሩ።

እቲ ንዝተፈላለያ ኩባንያታት ወሃብቲ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ብምውካስ መጽናዕቲ ዘካይድ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ዝውነን እንኮ ወሃቢ ኣገልግሎት ተሌፎንን ኢንተርነትን (ኤሪተል) ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ክሳብ መፋርቕ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 5.5 ሚልዮን ካብ ዝተገምገመ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ትሕቲ ፍርቂ ሚልዮን ጥራይ’ዩ ናይ ሞባይል ሲም ካርድ ክውንን ክኢሉ።

በዚ ቁጽሪ’ዚ ድማ ኤርትራ፣ ኣብ ዓለምን ኣብ ኣፍሪቃን፣ ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር ዝወሓደ ብዝሒ ተጠቃሚ ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን ኣለዋ።

እቲ 7.5 ካብ ሚእቲ ዝተገመተ ብዝሒ ተጠቃሚ ሞባይል ቴሌፎናት’ውን ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ስሩዕ ኣገልግሎት ዝረክብ ከምዘይኮነ ዝፍለጥ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢንተርነት ብዝገብሮ ዘሎ ጽኑዕ ምቁጽጻር፣ ብናይ ሞባይል ሲም ካርድ ኢንተርነት ምጥቃም ስለዘይክኣል፣ ኣገልግሎት ሞባልይ ቴሌፎን ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ምድዋልን መልእኽቲ ምቕባል ዝኣመሰለ መባእታዊ ኣገልግሎት ዝሓልፍ ኣይኮነን።

ቡድ ኮም ብዘቕረቦ ዝርዝራዊ መጽናዕቲ መሰረት፣ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ገዛ ቴሌፎን ወይ ዘይንቀሳቀስ ቴሌፎን ክውንን እንከሎ፣ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ብደረጃ ሃገር ከኣ 1.1 ሚእታዊት ጥራዮም።

ብብዝሒ ተጠቀምቲ ሞባይል ቴሌፎን ሆንግኮንግ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ፣ 7.2 ሚልዮን ካብ ዝበጽሑ ህዝቢ እታ ሃገር፣ ብገምጋም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ ሞባይል ሲም ካርድ ይውንን።

ይኹን’ምበር ምስ ብዝሒ ህዝቢ ብምንጽጻር፣ እታ ዝበዝሐ ሞባይል ቴሌፎናት ዘለዋ ሃገር ቻይና’ያ።

ኣስታት1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ቻይና፣ 1.6 ቢልዮን ሞባይል ቴሌፎናት ኣብ ኣገልግሎት ኣለዋ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ኣገልግሎታት ሞባይል ቴሌፎንን ኢንተርነትን ዘለዋ ሃገር ግብጺ’ያ።

ብዝሒ ህዝቢ ግብጺ 87 ሚልዮን ክኸውን እንከሎ፣ ኣብታ ሃገር 93 ሚልዮን ሲም ካርድታት ናይ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ንኣገልግሎት ተዓዲሉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0