ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሱ ዝተኣስረ፣ ዕሉል ሰምሳሪ ‘ኪዳነ’፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ

Radio Erena: 22 February 2021

ካብ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ንሓያሎ ዓመታት ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከሰጋግር ብምጽንሑ ተጠርጢሩ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተታሒዙ ዝተኣስረ፣ ኪዳነ ዝተብሃለ ሰምሳሪ ሃዲሙ።

ኪዳነ፣ ብዘይካ’ቲ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከሰጋግር ምጽንሑ፣ ኣብ ባሕሪ ላምፔዱሳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ጀላቡ፣ ናይ ዝሞቱ ኣማኢት ሰባት ህይወት ‘ተሓታቲ’ ተባሂሉ ብዝልዓለ ካብ ዝህደኑ’ዩ።

ንሱ፣ ክሃድም ዝኸኣለ፣ ብ19 ለካቲት፣ ኣብ ኣዲድ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ ዝቐረበሉ ዕለት ኮይኑ፣ ንሽንቲ ቤት ክጥቐም ምስ ኣተወ፣ ከምዝተሰወረ’ዩ ተሓቢሩ።

ሓላዊ ኪዳነ ዝነበረ ኣባል ፖሊስ፣ ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

ዕሉል ሰምሳሪ ኪዳነ፣ ብመንግስታት ኢጣልያ፣ ስዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብገበን ይህደን ኔሩ’ዩ።

እቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከምዝነበረን፣ ንሓያሎ ስደተኛታት ድማ ሓንሳእ ከም ኤርትራዊ ካልእ እዋን ድማ ከም ኢትዮጵያን ዘላሊ ዝነበረን ኪዳነ፣ ብኣህጉራዊ ፖሊስ (ኢንተርፖል)ን ፖሊስ ኤውሮጳ (ኤውሮፖል)ን ክህደን ኣብ ዝጀመረሉ፣ መንነቱ ቀይሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ተታሒዙ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0