ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣብ ኡጋንዳ ተቐይዱ

ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣብ ኡጋንዳ ተቐይዱ

Radio Erena: 25 July 2016

Kam

ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ምሕረትኣብ ስዮም ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ብዘይካ’ቲ ካብ ኤርትራ ናብ ኡጋንዳን ርዋንዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስደተኛታት ከሰጋግር ጸኒሑ ዝብል ክሲ፣ ብዓመጽ ደቂንስትዮ’ውን ተጠርጢሩ ከምዘሎ እተን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

እተን ማዕከናት ዜና ብዘቕረብኦ ጸብጻባት፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ፣ ናብ ፖሊስ ጥርዓናት ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።

 ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ኡጋንዳ ብንግዲ ዝመሓደር ኤርትራዊ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ መተሃላልኽቱ ነጋዶ ግዳይ ዝገበርዎ’ዩ ክብል ጠበቕቲ ንዝቐረበሉ ክስታታት ነጺግዎ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0