ብውሕዱ 9 ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ክሳተፉ’ዮም

Radio Erena: 09 February 2021

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፣ ምስ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ክለባት ዓለምና ዝተሓቝፉ ትሽዓተ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ክሳተፉ’ዮም።

ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ኣዕሪፉ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ቅድድማት ብሽክለታ፣ ዳግም ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፣ ክለባት ሓቝፎንኦም ዘለዋ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ወግዓዊ ይገብራ ኣለዋ።

በዚ መሰረት ድማ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናትናኤል ብርሃነ ንፈረንሳዊት ዎርልድ ቲም ኮፊዲስ፡ መርሃዊ ቅዱስ ንካዛኪስታናዊት ዎርልድ ቱር ቲም ኣስታና ፕሪሜር ቴክ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ንኣሜሪካዊት ዎርልድ ቲም ትሬክ ሴጋፍሬዶ፡ ቢንያም ግርማይን ያቆብ ደበሳይን ንፈረንሳዊት ፕሮ-ቲም ዴልኮ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንኢጣልያዊት ፕሮ-ቲም ኣንድሮኒ ጂዮካቶሊ ሲደርሜክ፡ መኽሰብ ደበሳይ ንጀርመናዊት ኮንቲነንታል ክለብ ባይክ አይድ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ኮንቲነንታል ቲም ኲቤካ፡ መትከል ኢዮብ ንማሌጅያዊት ኮንቲነንታል ቲም ቴሪንጋኑ ወኪሎም፣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ቅድድም ብሽክለታ ክንርእዮም ኢና።

መትከል ኢዮብ ድሮ ዝሓለፈ ቀዳም ለ የካቲት ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ፣ ብግራንድ ፕሪክስ ኣላንያ ኣብ ዝፍለጥ ክላሲካል ቅድድም፡ ናይ’ዚ ዓመት ፈላሚ ውድድሩ ኣሰላሲሉ ኣሎ።

ኣብዚ147.8 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ቅድድም፡ ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ባርዲያኒ፡ ዳቪድ ጋቡሮ ክዕወት እንከሎ፣ መበል 45 ተርታ ኮይኑ ቅድድሙ ዛዙሙ።

መትከል ብተወሳኺ፡ ብሰንበት ብዓወት ቤላሩስያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ቤላዝ፡ ራማን ሺሽኮው ኣብ ዝተዛዘመ፡ 157.6 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነበሮ ውድድር ግራንድ ፕሪክስ ጋዚፓሳ’ውን ተቐዳዲሙ፣ መበል 34 ደረጃ ሒዙ።

መርሃዊ ቅዱስን ቢንያም ግርማይን በብወገኖም፡ ካብ ሓሙስ 11 ክሳብ ሰንበት 14 ለካቲት ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ መበል 6ይ ውድድር ብሽክለታ Tour de la Provence ክሳተፉ ‘ዮም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0