ብውሑዱ 190 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም

Radio Erena: 26 September 2021

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፣ ብውሑዱ 190 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዝደሓኑ፣ ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ገሊጾም።
ሓያሎ ህጻናትን ጥዕናዊ ጸገም ዘጋጠመን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም 130 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተጻዒኖም ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ኣብ ኣፈፌት ሞት እንከለዉ፣ ብውልቀሰባት ዝውነና ጀላቡ ናይ ህይወት ኣድሕን ዘመተ ብምክያደን ብህይወት ክወጹ ከምዝኸኣሉ ተገሊጹ።
እቶም ግዳያት መሬት ኢጣልያ ኣብ ዝረገጹሉ፣ ክልተ ካብኦም ከቢድ መጉዳእቲ ስለዝወረዶም፣ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ፖሊስ ኢጣልያ ሓቢሩ።
ካልኦት 60 ስደተኛታት እውን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዎም ኣብ ክሊ ማያት ማልታ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ሓካይም ብዘይዶብ ከምዘድሓኖም ኣፍሊጡ።
21 ካብቶም ግዳያት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ሽዱሽተ ከኣ ደቀንስትዮ ዝርከብዎም ስደተኛታት ከምዘድሓነ ዝገልጽ ሓካይም ብዘይዶብ፣ በዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ናይ ዝሞቱ ዘለዉ ቁጽሪ ኣብ 2021 እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ጸብጻባት’ቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 1,370 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    List countries