ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝተጸወዐ ጸሎት፣ ሰፊሕ ተቐባልነት ይረክብ

Radio Erena: 27 June 2019
ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝመሓደራ ትካላት ጥዕና ዝተወስደ ስጉምቲ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ጸሎት ንምብጻሕ ዝተገብረ ጻውዒት፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣቡነት መንግስተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ዘቕረቡዎ ጻውዒት፣ ካብ 25 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ 12 ሓምለ ዝጸንሕ ናይ ጸሎት ስነስርዓት ክካየድ ዝጠልብ እዩ።

እቶም ሊቀ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ንዘይከኣሉ ህዝቢ ኣብ ጸሎቱ ክዝክሮም ጸዊዖም።

መንግስቲ ኤርትራ ነዘን ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝመሓደራ ትካላት ጥዕና ምህጋሩ፣ ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ከቢድ ሳዕቤናት ከኸትል ጀሚሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ቢንቢና ዝርከብ ትካል ጥዕና ብምዕጻዉን፣ ንኣገልግሎት ዝተዋፈረት ኣምቡላንስ ኣብቲ ትካል ብምዕሻጋን፣ ህጹጽ ኣገልግሎት ክትረክብ ዘይከኣለት ኣደ ዕጀል ገዲፋ ህይወታ ከምዝሓለፈት ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ መላእ ሃገር ጀሚሮሞ ዘለዉ ምህጋር ንብረት ሃይማኖታውያን ትካላት ገና ይቕጽል ከምዘሎን፣ መፍትሕ ኣይነረክብን ኢልኩም ንዝተባህሉ ደናግልን ኣገልገልትን ከይተረፈ ይኣስሩ ምህላዎም ከቢድ ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ኣብ መልእኽቶም፣ በዚ ሎምቅነ ኣብ ቤተክርስትያንናን ህዝብናን ተረኺቡ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜታት ክንሓዝንን ክንበክን ንቡር እኳ እንተኾነ፣ ንሕና ኣመንትን ደቂ ተስፋን ስለዝኾንና፣ ብዘይካ ኣምላኽ ክረድኣናን ከጸናንዓናን፣ ሽግርና ክፈትሓልናን ዝኽእል ሓደ’ኳ ከምዘይብልና ፈሊጥና ኣብ ቅድሚኡ ተደፊእና ኣብ ጾምን ጸሎትን ክንጽመድ እንከሎና መስተርሆት ከምእንረክብ ኣይንጠራጠርን’ ክብሉ መንፈሳዊ ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሓያሎ ኤርትራውያን፣ ‘ናይ ግድን ኣይኮነን ኣመንቲ ካቶሊክ ክንከውን፣ በብእምነትና ንህዝብና ንጸልይ’ ብዝብል መንፈስ ነዚ ጻውዒት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0