ብኤርትራውያን ዝውነን ኩባንያ፣ ንከተማ ጁባ ናይ ቀረብ ኤሌክትሪሲቲ ፕሮጀክት የዳሉ

ብኤርትራውያን ዝውነን ኩባንያ፣ ንከተማ ጁባ ናይ ቀረብ ኤሌክትሪሲቲ ፕሮጀክት የዳሉ

Radio Erena: 15 March 2018

juba elctric poleብኤርትራውያን ዝውነን ኩባንያ ህንጻ እዝራ፣ ንከተማ ጁባን ከባቢኣን ቀረብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምምላእ ይሰርሕ ከምዘሎ ንመግለጺ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብምጥቃስ ሺንሁዋ ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ ካብ ናይ ዋዒ ጸዓት ዝዳሎ ኣስታት 100 ሜጋዋት ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲ፣ ኣብ ምዝዛም ተቓሪቡ ከምዘሎ ዝሓበረ ሚኒስተር ኤሌክትሪሲትን ሓጽብታትን ደቡብ ሱዳን ድዮ ማቶክ ዲንግ፣ ምህናጽ እዚ ሓድሽ ማእከል፣ ነቲ ብመንግስቲ ዝውነን ዝነበረን ዝዓነወን ክትክእ ትጽቢት ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ብኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝውነን ፕሮጀክት፣ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ክዛዘም ትጽቢት ተጌርሉ ኣሎ።

 ብመሰረት ስምምዕ ናይቲ ፕሮጅከት፣ ድሕሪ ምዝዛሙ ንኣስታት 17 ዓመታት በቲ እዝራ ዝተምስየ ናይ ኤርትራውያን ኩባንያ ክመሓደር፣ ብድሕሪኡ ድማ ናብ መንግስቲ ክርከብ’ዩ።

ምህናጽ እዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ፣ ነታ ብቀረብ ኤሌክትሪስቲ ብቀጻሊ ክትጽገም ዝጸንሐት ከተማ ጁባን ከባቢኣን ሩፍታ ዝፈጥር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ንሃልኪ ነዳዲ’ውን ካብ 6 ሚልዮን ሊትሮ ንመዓልቲ ናብ 2 ሚልዮን ሊትሮ ከውርዶ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ፕሮጀክት ብዘይካ ኣብ ቀረብ ኤሌክትሪሲቲ ከም ምህናጽ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን መንበሪ ኣባይትን ዝኣመሰለ’ውን ከምዘጠቓልል ጸብጻብ ሺንሁዋ የመልክት።

ኣብ ኤርትራ ናይ ወፍሪ ዕድላት ዝሰኣኑ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኣንጎላ፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ወፍሪ የካይዱ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዝጸንሐ’ዩ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0