“ብኣተሓሕዛ እሱራት G15ን ጋዜጠኛታትን ዓለም ከተመስግነና ይግባእ።” ኣቶ የማነ ገብርኣብ

“ብኣተሓሕዛ እሱራት G15ን ጋዜጠኛታትን ዓለም ከተመስግነና ይግባእ።” ኣቶ የማነ ገብርኣብ

Radio Erena: 18 July 2016

Yemane Monkey

ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ጋዜጠኛታትን፣ ካልእ ዝኸፈአ ፍርዲ ብዘይምሃብና ዓለም ከተመስግነና ይግባእ፣ ክብል ኣቶ የማነ ገብረኣብ ገሊጹ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ምስ ጀርመናዊት ሬድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ጋዜጠኛታትን ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝሓተቱ ሰበስልጣንን ብዘይሕግን ፍርድን ብኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ቀዪዱዎም ክትብል ዓለም እንዳከሰሰቶ እንከላ፣ ካልእ ዝኸፈአ ፍርዲ ምተዋህቦም ክብል ምግላጹ፣ እቲ መንግስቲ ንዝኽሰሰሉ ዘሎ ገበናት ከመሓይሾስ ይትረፍ ናብ ዝገደደ ኩነታት’ውን ከምርሕ ከምዝኽእል’ዩ ኣንፊቱ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ጉዳዮም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሰፊሑ ከምዝዝረበሉ፣ ንስድራቤቶም ሓበሬታ ከምዝወሃብ’ዩ ገሊጹ። እንተኾነ ብዛዕባ ዝኾነ ዝተኣስረ ቤተ ሰብ ምሕታት ንገዛእ ርእሱ ከምዘሕትት ስድራቤት ግዳያት ቃል ምስክርነቶም ይህቡ።

መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸደ ኣካይዳ ብመርትዖ ዝተሰነየ ጸብጻባ ኣብ ዘቕረበትሉ ጽባሕ፣ ኤርትራ ብምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ክነኣድ ዝግብኦ ኣተሓሕዛ ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጽ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፣ ቅዋም ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ጽሑፍ ካብ ምዃን ስለዘይሓልፍ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ዝብገስ ናብ ህዝቢ ዝምለስ ስርዓተ ምምሕዳር ከምዝኽተል ይገልጽ።

ንዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብዝምልከት’ውን፣ እቲ ቀንዲ ጸገም ፖሊሲ ሃገራት ኤውሮጳ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ። ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ከይወጹን እቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ከኣ ናብ ዓዶም ክምለሱን እንተኮይኖም እንታይ ዝተቐረበሎም ዕድላት ስራሕ ኣሎ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፣ ናብ ሃገርኩም ተመለሱ፣ ኤርትራ መጻኢ ኣለዋ ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ዝኾነ ዝተጨበጠ ይኹን ኣብ መደብ ዝተታሕዘ ነገር ከቕርብ ኣይከኣለን።

ብብዙሓት ኣህጉራውያን ትካላት ከም ዘይሕጋዊ ዝግለጽ ክፍሊት 2 ሚእታዊት፣ ዝኾነ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ወርሓዊ ኣታዊ እንተለዎ ነዚ ግብሪ ክኸፍል ከምዝቕሰብ ኣቶ የማነ ተኣሚኑ።

ካብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ወጻኢ ሃገራት ሜድያ መግለጺታት ክህብ ምጅማሩ ከም ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ኣቀራርባ ዝግለጽ’ኳ እንተኾነ ሰበስልጣናቱ ኣብ ዝህቦ ሓበሬታ ተጋራጫዊ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

============================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0