ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት ዝምራሕ፣ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ስዑዲ ዓረብ በጺሑ

Radio Erena: 08 May 2023

ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት፣ ጄክ ሱሊቫን ዝምራሕ፣ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን፣ ብሰንበት 07 ግንቦት ናብ ሪያድ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ወራሲ ዓራት ንግስነት እታ ሃገር፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ፣ ኣብ ጉዳያት ጸጥታን ምትእስሳርን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ብምትኳር ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ስዑዳዊ፣ ኢማራትን ህንዳዊን መዘናታቱ ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ከምዝዝቲ’ውን ተፈሊጡ።

ኣብቲ መደብ ተኻቲታ ዝነበረት እስራኤል፣ ወኪላ ኣብ ሪያድ ከምዘይተረኽበ ዝሓበረት ማዕከን ዜና ታይምስ ኦፍ አስራኤል፣ ምኽንያቱ ከምዘይተፈልጠ ኣስሚራትሉ።

ይኹን’ምበር፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፣ ኤሊ ኮሀን፣ ሎሚ ሰኑይ 08 ግንቦት ናብ ህንዲ ብምምራሕ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ናሪንድራ ሞዲን፣ ህንዳዊ መዘንኡ፣ ሱብራህማንያም ጃይሻንካርን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ክመያየጥ’ዩ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ዝምድና እስራኤልን እታ ብንጉሳዊ ቤተ ሰብ እትምራሕን ሃገርን ብምትኳር ምስ ወራሲ ዓራት ቢን ሳልማን ከምዝዘራረብ’ውን ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመንጎኝነት ኣመሪካ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝምድና መስሪታ እትርከብ እስራኤል፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ’ውን ተመሳሳሊ ርክብ ንምፍጣር መደብ ምህላዉ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0