ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ጀርመን ክጣየሱ እዮም

resetlementኤርትራውያን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ጀርመን ክጣየሱ ምዃኖም፣ ካብ ኢጣልያ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብዚ ዝቕጽል ወርሒ ኣትሒዞም ናብ ጀርመን ክጣየሱ ምዃኖም፣ ሰበስልጣን ጀርመን ምርግጋጾም ኣፍሊጡ።

 

ብመንገዲ ቱርኪን ኢጣልያን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ብምዕቋብ፣ ጀርመን ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና’ያ ጸኒሓ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ዘለዉ 160 ሽሕ ስደተኛታት ንኸጣይስ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣየተግበሮን ብምባል ሰበስልጣን ግሪኽ ይኸሱ።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶርያውያንን ዒራቓውያንን ዝኾኑ 160 ሽሕ ስደተኛታት፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ናብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ክጣየሱ እዩ እቲ ውዕል ዝጠቅስ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ 4 ሽሕ ሰባት ጥራይ ነዚ ዕድል’ዚ ብምርካቦም ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣተውኦ ቃል ኣየተግበራን ክብሉ ሰበስልጣን ግሪኽ ከሲሶም።

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ግሪኽ ያኒስ ሙዛላስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ መስርሕ ዝወዱኡ 7 ሽሕ ስደተኛታት ድሉዋት ክነሶም፣ ካብ ዝኾነት ኤውሮጳዊት ሃገር ምላሽ ኣይረኸብናን ክብል እቲ ቅልውላው ስደተኛታት ዕቱብ ኣቓልቦ ከምዘይተዋህቦ ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0