ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓባራዊ ሰራዊት ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊላንድ በጺሑ

Radio Erena: 16 January 2023

ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓባራዊ ሰራዊት ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ምብጻሕ ከምዘካየደ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ሶማል ሓቢሩ።

እቲ ሓይሊ ዕማም፣ ብ13 ጥሪ ናብ ወደብ በርበራ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንዝካየድ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሃገራት እቲ ዞባ ምድላዋት ንምክያድ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ሓይሊ ዕማም ናብ ሶማሊላንድ ምብጽሑ፣ ነታ ርእሰ ምምሕዳር ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣፍልጦ ከም ምሃብ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ሶማላውያን ናብ እመሪካ ዝቐንዐ ነቐፌታ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ የውሕዙ ኣለዉ።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ክጅምር ምዃኑ ዝተሓበረ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣመሪካን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን፣ ሶማል ክትሳተፍ ተዓዲማ ከምዘላ መግለጺ እቲ ኤምባሲ ኣነጺሩ።

ብመሰረት ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ሞቛድሹ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ መኸተ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ከምኡ ድማ ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ንዝወሃብ ተልእኾታት ኣብ ምዕዋት ክሕግዝ ትጽቢት ዝተነብረሉ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ርዋንዳን ቦትስዋናን ‘ውን ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብቲ ልምምድ 20 ሃገራት ክሳተፋ ምዃነን እኳ እንተተመልከተ፣ መነ መን ምዃነን ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምዳት ዘይትሳተፍ ኤርትራ፣ ካብዚ ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓባራዊ ሰራዊት ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝወደቦ ምትእኽኽብ’ውን ክትግለል ምዃና ይግመት።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0