“ብኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝደፍር ተደጋጋሚ ፈተነታት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሉኣላውነት ንዘለዎ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ’ዩ”

Radio Erena: 31 March 2021

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝደፍር ተደጋጋሚ መግለጺታት ከስምዑን ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝሓወሰ ካርታ ክሰቕሉን ምርኣይ፣ ንፖሊሲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጉዳይ ሉኣላውነት ዘንጸባርቅ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ናብ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝልእክዎ ዘለዉ ቁጠዐታት ገሊጾም።

እቶም ኤርትራውያን ቁጠዐኦም ዝገልጹ ዘለዉ፣ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላያ ኤርትራውያን ከምዘይፈትውዎንን፣ እንተ ዝሕተቱ’ውን ነታ ዝተፈልዩላ መዓልቲ ከምዘይየኽብሩን ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኦትዮጵያ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ብልጽግና፣ ጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዘካይደለሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ፣ ንካርታ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፣ ምውዕዋዕ ክገብር ተራእዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ብሪጣንያን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝሓወሰ ካርታ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ፣ ብኤርትራውያን ድሕሪ ዝተራእየ ተቓውሞን ቁጠዐን ይቕሬታ ከምዝሓተተሉ ኣይርሳዕን።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሰበ ስልጣን ኣብ ዝሳተፍሉ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝሓወሰ ካርታ ኤርትራ ምርኣይ ዝውቱር ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ድማ ስቕታ ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝተዓበለለ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ህግደፍ ዘሻደኖ ምዃኑ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ብልጽግና፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝደፍር መግለጺታት ይኹን ካርታ ክዝርግሑ እንከለዉ፣ ብትሪ ክቓወሞን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብወግዒ ይቕሬታ ክሓትሉን ከገድድ ኣይጸንሐን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፣ ኣብ ኣስመራ፣ ፈላሚ ወግዓዊ ርክብ ኣብ ዘካየድሉ፣ ኣብ 8 ሓምለ 2018፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ’ዩ። ክልተ ህዝቢ’ዩ ኢሉ ዝዛረብ ታሪኽ ዘይፈልጥ ጥራይ’ዩ” ምባሉ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ተሻሪኾም ዝርከቡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣህጉራዊ ፕሮቶኮላትን ስምምዓትን ብዝጠሓሰ መልክዕ ዝኸድዎ ዘለዉ መንገዲታት፣ ንመጻኢ ነዘን ክልተ ሃገራት ናብ ጎነጽ ከምርሐን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናትን ተንተንቲን የጠንቅቑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ጉዳይ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝቐበረ ሕቶ ኣመልኪተ ዝሃብክዎ መልሲ፣ ህዝቢ ብጌጋ’ዩ ተረዲእዎ ዝበለ፣ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ከምዘኽብር ብምጥቃስ፣ ንዝተፈጥረ ምድንጋራት ይቕሬታ ምሕታቱ፣ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብምጥቃስ፣ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0