ብተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝምራሕ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ምብጻሕ ይፍጽም

ብተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝምራሕ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 11 February 2016

US ass

ብተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝምራሕ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ።

ዕላማ ዑደት ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ጅቡቲ፣ ኣብ መበል ካልእይ ዓመት US-Djibouti Binational Forum ንምስታፍ ኮይኑ፣ ኣብ ርእሲኡ’ውን ኣብ ጅቡት ንዝካየድ ዘሎ መደባት ስራሕ ተዓዚቡ።

ሓደ ካብቲ መደባት፣ ምህናጽ ናይቲ ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያን ዝዝርጋሕ ሻምብቆታት ነዳዲ ኮይኑ፣ ‘ብላክ ሪኖ’ ብዝተባህለ ኣመሪካዊ ኩባንያ ዝጽናዕ ዘሎ’ዩ።

 

ኣመሪካ ኣምሳያ ናይቲ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ነታ ሃገር ዓመታዊ ኣስታት 100 ዶላር ከምእትልግሰላ ይፍለጥ።

ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኣስታት 3 ሽሕ ወትሃደራት ዝሓቖፈ ናይ ኣመሪካ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ለሞንየ፣ ን 1700 ዜጋታት ጅቡቲ’ውን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጠረ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0