ብሽበራ ዝተኸሰሰ ብሪጣንያዊ ኣብ ኢትዮጵያ ንሞት ክፍረድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ

ብሽበራ ዝተኸሰሰ ብሪጣንያዊ ኣብ ኢትዮጵያ ንሞት ክፍረድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ

Radio Erena: 31 December 2014

UK cit

ብሽበራ ተኸሲሱ ኣብ ኢትዮጵያ መርመራ ክካየደሉ ዝጸንሐ ብሪጣንያዊ ንሞት ክፍረድ ከምዝኽእል ማዕከን ዜና ዘ ኢንዲፐንደንት ሓቢሩ።

እቲ ኢትዮጵያ ከምዝተወልደ ዝተገልጸ እዚ ዓሊ ኣዶሩስ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ፣ ኣብ 2013 ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወሉ ኣዝማዱ ንምብጻሕ ምዃኑ እኳ እንተሓበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ምስ ሽበራ ዝተተሓሓዘ’ዩ ክብል’ዩ ዝኸሶ።

እቲ ኣብ ናይ ናይ ጸጥታ ሓለዋ ይሰርሕ ምንባሩ ዝተገልጸ ብሪጣንያዊ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ናብ ታንዛንያን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ገይሹ ምንባሩ ዝጠቐሰ ማዕከን ዜና ኢንደፐንደት፣ ብMI5 ዝፍለጥ ስለያ ብሪጣንያ ምስ ሽበራውያን ጉጅለታት ምትእስሳር ከይህልዎ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ’ዩ ዝገልጽ።

 

እቲ በዓልቲ ቤቱን ደቂን ኣብ ብሪጣንያ ከምዘለዉ ዝተገልጸ ብሪጣንያዊ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምትሓዙ ን18 ኣዋርሕ መርመራ ከምዝተኻየደሉን ኣብዚ እዋን’ዚ ኸኣ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ገበነኛ ምዃኑ ስለዝወሰነ ንሞት ክፍረድ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እንተኾነ በዓልቲ ቤቱን ጠበቕኡን ኣብ መርመራ ብዝተኻየደሉ ስቃይ’ዩ ምስ ሽበራውያን ጉጅለታት ከምዝነጥፍ ክኣምን ክኢሉ ብምባል፣ ይግባይ ይሓቱ ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ’ውን ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ዘሎ ዜጋኡ ቆንስላዊ ሓገዝ ይገብረሉ ከምዘሎ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሀበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ብክሲ ሽበራ ተጠርጢሮም ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦም ካብ ዝኽእሉ ብሪጣንያውያን ዓሊ ኣደሩስ ካልኣይ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ተመሳሳሊ ክሲ ዘለዎ ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዝኾነን ናይ ብሪጣንያን ዜግነት ዘለዎን ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ፣ ናብ ኤርትራ እናምርሐ እንከሎ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ተታሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተረከበ ይዝከር።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0