ብስዑዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ብኢማራት ዝሕገዙ ሚሊሻን ኣብ ዓደን ዝጸንሖም ምፍጣጥ ንምፍታሕ ሎሚ ስምምዕ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 17 October 2019

ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ የመን ምስቶም ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፉ፣ ንዓደን ተዓጻጺሮም ዝርከቡ ሚሊሻን ዝጸንሐ ምፍጣጥ ንምፍታሕ ሎሚ ሓሙስ 17 ጥቅምቲ ስምምዕ ክኽተም ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ስምምዕ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብ ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበሩ ዲፕሎማሰኛታት የመን፣ ንክልቲኦም ወገና ንምቕርራብ፣ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ዝተወስደ፣ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ካብታ ወደባዊት ከተማ ምስሓብ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዛ፣ ኣብታ ከተማ ዝጸሐ ሰራዊታ ድሕሪ ምስሓባ፣ ክልቲኦም ወገናት የመን ዝሰማምዕሉ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ክቐውም’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ንክልቲኦም ወገናት ዝሓቖፈ ሓድሽ መንግስቲ የመን፣ ንሑቲ ክምክት ዓቕሚ ከምዘይብሉ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ኢማራት፣ በብእዋኑ ኣብ ኤርትራ ከምዘሰልጠነቶም ዝንገረሎም ሚሊሻ፣ ኣብ ከተማ ዓደንን ደሴት ሰኮትራን ዝርከብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ተቖጻጺሮሞ’ዮም ጸኒሖም።

ኣብ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ ነቲ ብደገፍ ሕቡራት ኢማራት ዝተኻየደ ምቁጽጻር ትካላት መንግስቲ፣ ብዕልዋ’ዩ ገሊጽዎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ ምስቲ ኣብ ጉዳይ የመን ላዕለዋይ ኢድ ዘለዎ ሑቲ ቀጥታዊ ዝርርብ ጀሚራ ከምዘላ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0