ብስኽራን ዝተሰነፉ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማልታ፣ ኣብ ልዕሊ ሳልሳዮም ኤርትራዊ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዶም

ብስኽራን ዝተሰነፉ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማልታ፣ ኣብ ልዕሊ ሳልሳዮም ኤርትራዊ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዶም

Radio Erena: 12 February 2016

Malta

ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማልታ፣ ኣብ ልዕሊ ሳልሳዮም ኤርትራዊ ብዘውረድዎ ከቢድ ጉድኣይ ኣብ ፍርዲ ከምዝቀረቡ መርበብ ሓበሬታ ዘ ኢንዲፐንደትን ገሊጹ።

እቶም 22 ዓመት ዝዕድሚኡ መንግስትኣብ ሙሉ ሃይለን 20ን ዓመት ዝዕድሚኡ ሓየሎም ጠዓመ ተስፋኣለምን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን፣ ብቀዳም 6 ለካቲት ብኣልኮላዊ መስተ ተደፋፊኦም ኣብ ልዕሊ ኣፈወርቂ ተኽለሰንበት ዮሃንስ ዝተባህለ ሳልሳዮም ኤርትራዊ ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘውረዱ’ዩ ዝጠቅስ ሓበሬታ ዘ ኢንደፐንደት።

እቶም ክልተ ኤርትራውትያን ስደተኛታት፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ዘውርድዎ ከቢድ ጉድኣት፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሰኺሮም ዕግርግርግ ብምፍጣሮምን ሰላም ህዝቢ ብምዝራጎምን’ውን ተኸሲሶም።

 

ኣብ ከተማ ካውራ ዝነበር ሓየሎም ስራሕ ኣልቦ ክኸውን እንከሎ፣ መንግስትኣብ ከኣ ኣብ ከተማ ዘቡግ ኣብ ናይ ጽሬት ስራሕ ዝተዋፈረ ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ ዘሎ።

ቤት ፍርዲ ማልታ፣ ነቲ ብኣኽባር ሕጊ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ ካብ ጠበቓ ናይቶም ተኸሲሶም ዘለዉ ኤርትራውያን ካልኦት መሰኻክርን ሓበሬታ ድሕሪ ምእካብ ኣብ ዝመጽእ ውሳኔ ክህብ ይግበር።

ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ዝሰገሩ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ባሕሪ ማልታ ድሕሪ ምድሓኖም፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሳብ ዝጠየሱ ኣብታ ሃገር ግዜያዊ ዑቕባ ተዋሂብዎም ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0