ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ውሸባ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ጎነጽ ኣብ ሰብ ሓዳር ግኑን ተርእዮ ኮይኑ

Radio Erena: 07 April 2020

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ሓያሎ ሃገራት ውሸባ ድሕሪ ምእዋጀን፣ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር፣ ጎነጽ ግኑን ተርእዮ ይኸውን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተረኸብ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽ ብልዕሊ 25% ንሂሩ ኣሎ።

መብዛሕቱ እዚ ኣብ መንጎ ኣብ ኣባይቶም ተወሺቦም ዝርከቡ ሰብ ሓዳር ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽ፣ ናይ ቃላት ዘለፋን ክብርታት ዘነእእስ ጸርፍን እኳ እንተኾነ፣ ማህረምትን ኣካላውን ሃስያን’ውን ይርከቦ።

ሓንቲ ካብተን ጽኑዕ ናይ ውሸባ ኣዋጅ ዘሕለፋ ሃገራት ዝኾነት ፈረንሳ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ 3 ቅነ ጥራይ ኣብ ሰብ ሓዳር ዝፍጸም ጎነጽ ብ35% ከምዝነሃረ’ዩ ተሓቢሩ።

እዚ ዘተሓሳሰቦ መንግስቲ፣ ኣብዚ ኣይ ውሸባ እዋን ብፍሉይ ዘገልግል፣ ግዳያት ዘቤታዊ ጎነጽ ህጹጽ ሓገዝ ዝረኽብሉ፣ ዝተፈልየ ናጻ ናይ ቴልፎን መስመር ከፊቱ ይርከብ።

ዘቤታዊ ጎነጽ፣ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝፍጸምን ቀንዲ ግዳያት ድማ ደቂንስትዮን’ኳ እንተኾና፣ ንቆልዑ’ውን ግዳያት ዝገብር’ዩ።

ብሰንኪ ውልቃዊ ጉዳይት፣ ጥዕናውን ናይ መነባብሮ ጸገምን ኣብ ወጥሪ ን ምትፍናን ዝጸንሓ ስድራቤታት፣ ኣብዚ ናይ ውሸባ እዋን፣ ናብ ጎነጽ ከምርሓ ግድን ምዃኑ’ዮም ሰብ ሞያ ዘመልክቱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0